RADIO ERENA – 12 Wednesday, 2025
ኣብ ደቡባዊ ሊብያ፣ ዞባ ኣል ኩፍራ፣ ኣብ ሓደ ጋህሲ ናይ 28 ስደተኛታት ሬሳ ከምዝተረኽበ፣ ንቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።
ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ሊብያ፣ ብ09 ለካቲት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ሓይልታት ጸጥታ፣ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ደላሎን ወይ ሰምሰርቲ ሒዞም ከምዘለዉ ኣብ ዝጠርጠሮ መዝርዓ ኣብ ዘካየድዎ ፈተሻ፣ ን76 ሓራ ከምዘውጽኡ ኣመልኪቱ።
እቶም ሓራ ዝወጹ ስደተኛታት፣ ኣብቲ መዝርዓ ናይ ዝነበሩ ሓያሎ ስደተኛታት ህይወቶም ከምዝሓለፈን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ጎዳጉዲ ከምዝተቐብሩን ንሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ስለዝሓበሩ፣ ካብ 06 ለካቲት ኣትሒዙ ጎዳጉዲ ናይ ምዃዓትን ጋህስታት ናይ ምፍታሽን መስርሕ ይካየድ ኣሎ።
ዛጊት ኣብ ዝተካየደ ኩዕታን ዳህሳስን ጎዳጉዲ፣ ካብ ሓደ ጋህሲ ናይ 28 ሰባት ሬሳ ተኣኪቡ።
እቶም ካብ መዝርዓ ሓራ ዝወጽጹ ስደተኛታት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ብዝሒ ኣብ ጎዳጉዲ ናይ ዝተደፍኑ ብጾቶም ልዕሊ 70 ምዃኑ ስለ ዘመልከቱ፣ ዝተጠርጠረ ጋህስታትን ጎዳጉድን ናይ ምዅዓት መስርሕ ይቕጽል ኣሎ።
ብዘይሕጋዊ ምስግጋርን ህልቂትን ደቂ ሰባት ዝተጠርጠሩ ሓደ ሊብያዊን ክልተ ደቂ ካልእ ሃገርን ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ፣ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ሊብያ ኣረጋጊጹ።
ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ፣ ብ29 ጥሪ፣ ቁሸት ኣጅኻራ፣ ብደላሎን ኣሰጋገቲ ደቂሰብን ተታሒዞም ዝጸንሑ፣ ዝበዝሑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝርከብዎም 263 ስደተኛታት ሓራ ከምዘውጽኡ ምግላጾም ይዝከር።
ገሊኦም ካብቶም ዝተጨውዩ ስደተኛታት ንልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተታሕዙ ኮይኖም፣ እቶም ጨወይቲ ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ 10 ሽሕ ዶላር፣ ንነፍሲ ወከፍ ሶማላዊ ድማ 17 ሽሕ ዶላር‘ዮም ክሓቱ ጸኒሖም።
ሓደ ካብቶም ተታሒዞም ዝጸንሑ ስደተኛታት፣ ብዝወረዶ ግፍዕታትን ዓጸቦን ሞይቱ‘ዩ ተረኺቡ።
ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ፣ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ምጭዋይ ኢድ ኔርዎም ንዝበልዎም ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ፣ ኣገልግሎት ዜና ሊብያ ሓቢሩ።
=========================
COMMENTS