ስዑዲ ዓረብ፣ ንመጀመርያ እዋና ኣምባሳደር ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤም መዚዛ

Radio Erena: Wednesday, 16 August 2023

ምስ እስራኤል ዝምድና ክትምስርት’ያ ዝብሃለላ ዘሎ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤም ናይ መጀመርያ እዋን ኣምባሳደር መዚዛ።

ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤም ኮይኑ ዝተመዘዘ፣ ነይፍ ኣል ሱዳይሪ፣ ወረቐት ስርሑ፣ ንኣማኻሪ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ማጂድ ኣል ኻልዲ፣ ብ13 ነሓሰ፣ ኣብ ዮርዳኖስ፣ ርእሰ ከተማ ዓማን ከምዘረከቦ ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ሓቢሩ።

እቲ ተበግሶ፣ መቐጸልታ ናይቲ ስዑዲ ዓረብ ንፍልስጤም ዘለዋ ደገፍ ንምርግጋጽ ዝተወሰ ምዃኑ ዝተንተኑ ዲፕሎማሰኛታት፣ ጎኑ ጎኑ ድማ ምስ እስራኤል ዝምድና ንምምስራት ባይታ ዘጣጥሕ’ዩ ኢሎም።

ካብ 2020 ኣትሒዙ፣ እስራኤል ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕሬይን፣ ሞሮኮን ሱዳንን ንመጀመርያ እዋና ዝምድና ድሕሪ ምምስራታ፣ ዝቕጽል መደብ ምስ ስዑዲ ዓረብ’ዩ እናተባህለ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፣ ዛጊት ብክልቲኤን ወገን ዝተወስደ ወግዓዊ ናይ ዲፕሎማሲ ተበግሶ የለን።

እስራኤል፣ ኣብ 1948 ካም ሃገር ካብ እትቐውም፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፣ ምስ ግብጽን ዮርዳኖስን ምስ ዝርከብአን ሽዱሽተ ሃገራት ጥራይ’ዩ ወግዓዊ ዝምድና ዘለዋ።

ምስ ህዝቢ ፍልስጤም ክደናገጻም ምቛም ሃገረ ፍልስጤም ክጸቕጣሉን ሃገራት ዓረብን እስላምን፣ ንእስራኤል ከም ሃገር ወግዓዊ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ክሕሰማ ‘የን ጸኒሐን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ወትሃደራውን ጸጥታውን ኩነታት ብዝተሓሓዝ፣ ገሊኤም ምስ እስራኤል ብግሁድን ብምስጢርን ርክባት ከካይዳ ይግደዳ ምህላወ ተንተንቲ የረድኡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0