RADIO ERENA – Tuesday, 15 April 2025
ኵናት ክልተ ወትሃድራውያን ሓይልታት ሱዳን፣ ክልተ ዓመቱ ኣብ ዝመልኣሉ ሰሉስ 15 ሚያዝያ 2025፣ ብሰንኪ ኵናት ንዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምሕጋዝ ዝዓለም ምወላ ንምውህላል፣ ኣብ ለንደን ኣህጉራዊ ዋዕላ ተጋቢኡ።
ኣብቲ ካብ ክልቲኡ ወትሃደራውያን ወገን ሱዳን ዘይተዓደምሉ ዋዕላ፣ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሰበ ስልጣን፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ ወከልትቲ ሲቪካውያን ማሕበራትን ትካላት ግብረሰናይን ተሳቲፎም።
እቲ ዋዕላ ቅድሚ ምጅማሩ ሓደ መዓልቲ፣ መንግስቲ ጀርመን፣ ንሰብኣዊ ሓገዝ ሱዳን ዝውዕል ናይ ኣስታት 140 ሚልዮን ዶላር ምወላ ተመባጺዑ።
እቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ለንደን ዋዕላ፣ ብብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ዝተወደብ‘ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ንተመሳሳሊ ዕላማ፣ ክልተ ቢልዮን ዶላር ንምህላል ዝንቀደ ዋዕላ ኣብ ፓሪስ ምክያዱ ይዝከር።
ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት፣ ኣስታት ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ወይ እቲ 25 ሚልዮን ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ ጸብጻብ ውድብ መግቢ ዓለም የመልክት።
ኣስታት 200 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ እቲ ኵኣት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 14 ሚልዮን ህዝቢ ኣባይቱ ራሕሪሑ፣ ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ ይርከብ።
እቲ ኣስታት 3 ሚልዮን ካብዚ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ናብ ግብጺን ቻድን ዝተሰደደ‘ዩ።
===============
COMMENTS