RADIO ERENA – Wednesday, 14 May 2025
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፣ ኣብ ዓመጽ ስለዝተሳተፈ ካብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ከምዝተሰረዘ ሃገራዊ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ምርጫ ቦርድ፣ ብ13 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ሕጋዊ ኣፍሊጦ ክወሃቦ እኳ እንተመልከተ፣ ነዚ ዘኽእል ሕጊ ስለዘየለ፣ ክነጽጎ ከምዝወሰነ ዘረድእ ደብዳቤ ከምዝልኣኸሉ ጠቒሱ።
እቲ ቦርድ፣ ‘ፍሉይ ኩነታት‘ ኢሉ ብዘቐመጠ መምዘኒ፣ ህወሓት ከማልኦ ዝተነግሮ ቅጥዒታት እንተተግቢሩ፣ ከም ሓድሽ ፖለቲካዊ ሰልፊ ክምዝገብ ከምዝኽእል ባይታ ከምዘጣጠሓሉ‘ዩ ዝሕብር።
እንተኾነ፣ ህወሓት፣ ብሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ከማልኦ ዝተኣዘዞ ቅጥዒታት ስለዘይማልአ፣ ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ጠቕሊሉ ክስርዞ ከምዝወሰነ ኣነጺሩ።
ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ኣብ ክልተ ዝተግምዐ ህወሓት፣ እቲ ዝወሓደ ኣካሉ፣ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክጠብቕ እንከሎ፣ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዝርከብዎ እቲ ዝበዝሐ ኣካል ግና ክሳብ እዚ እዋን‘ዚ ምስቲ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኣብ ምስሕሓብ‘ዩ ዝርከብ።
ኣብዚ እዋን‘ዚ ኣብ መንጎ ‘ቶም ኣብ ኵናት ትግራይ መላፍንቲ ዝነበሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ምትዅታዃት ይርአ ምስ ምህላዉ፣ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተነጽገ ህወሓት ምስ ኤርትራ ስልታዊ ዝምድና ክምስርት ከምዝኽእል ይትንተን።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብ ፖለቲካ ትግራይን ኢትዮጵያን ንልዕሊ 50 ዓመታት መሪሕ ተራ ዝነበሮ ህወሓት ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ምስራዙን ሕጋዊ ኣፍልጦ ምኽልኡን፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ንዘሎ ግጭታትን ወጥርታትን ብዝበኣሰ ዘጋድድ ‘ዩ።
====================
COMMENTS