ህወሓት፣ ንጌታቸው ረዳ ካብ ኣባልነት ሰጕግዎ

RADIO ERENA – Wednesday, 18 September 2024

ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት፣ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ኣባልነት ከምዝኣለዩ፣ ብ17 መስከረም ሓቢሩ።

ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፣ ብ15 መስከረም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም 16 ኣባላቱ ክእለዩ ከምዝወሰነ ዩ እቲ ውድብ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎቲ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓትን ንጌታቸው ረዳ ዝደገፈ ወገንን ዝተራእየ ፖለቲካዊ ምክፍፋል እናገፍሐዩ ክመጽእ ጸኒሑ።

እዚ ናይ ህወሓት ውሳኔ፣ ነቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሕዳር 2022፡ ዝተብጽሐ ስምምዕ ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባዚ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ምውጣጥ ዛጊት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0