ሃገራዊ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ኣብ ዙር ኣልጀርያ ትሳተፍ ኣላ

RADIO ERENA – Monday, 13 May 2024

ሃገራዊ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ካብ 12 ክሳብ 21 ግንቦት፣ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ ትሳተፍ ኣላ።

ኣብዚ ንመበል 24 እዋኑ ዝኻየድ ዘሎን ብኣህጉራዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ናይ 2.2 መዐየሪን ዝተዋህቦ ውድድር፣ ብኣሰልጣኒ ሙሴ ኣስሄል እትእለ ሃገራዊ ጋንታ፣ ንተቐዳደምቲ ሜሮን ተሾመ፡ ሚልክያስ ማእከለ፡ ያፌት ሙሉጌታ፡ ኣኽሊሉ ገብረሂወትን ኤቨን የማነን ኣሰሊፋ ትርከብ።

ካልኦት ክልተ ኤርትራውያን፡ መትከል እዮብን ዓወት ኣማንን’ውን ንኣህጉራውያን ጋንታታት ብምውካል ኣብ’ዚ ዙር ይካፈሉ ኣለዉ።

ኣርባዕተ ሃገራውያን ጋንታታት፡ ኣርባዕተ ኮንቲነንታል ክለባት፡ ሸውዓተ ድማ ካልኦት ክለባትን ካብ ማእከል መሰልጠኒ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ንዝተላእከት ጋንታን ዘሳትፍ ዘሎ ዙር ኣልጀርያ፡ ኣብ ዝተኸፍተሉ ዕለት፡ 128 ኪሎ ሜትር ኣብ ዝሸፈነሉ ቅድድም፣ ሜሮን ተሾመ ካልኣይ፡ ሚልያስ ማእከለ ድማ፡ ሻሙናይ ደረጃ ብምሓዝ ብሉጽ ውጽኢት ረኺቦም።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ኣብ ዙር ኣልጀርያ ኣብ ዝተሳተፈሉ ኣርባዕተ ዓመታት ዓበይቲ ዓወታት ተጎናጺፋ ከምዝወጸተ ይዝከር።

==================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0