‘ሃገራት ምዕራብ፣ ምርጫ ከይካየድ ዕንቅፋት ይኾናና ኣለዋ’ ሳልቫ ኪር ማያርዲት

RADIO ERENA – Wednesday, 29 May 2024
ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ንኸይካየድ፣ ሃገራት ምዕራብ ዕንቅፋት ይኾና ኣለዋ፣ ክብል ፕረዚደንት’ታ ሃገር ሳልቫ ኪር ማያርዲት ከሲሱ።
ንሱ ብዕለት 26 ግንቦት ናይ ጎስጓስ መደረ ኣብ ዘስመዓሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ ኣመሪካን ገለ ሃገራት ኤውሮጳን፣ ደቡብ ሱዳን ኣብዚ እዋን’ዚ ምርጫ እንተካዪዳ፣ ውግእ ሓድሕድ ክጎሃሃርን ሕንፍሽፍሽ ክፍጠርን ስለዝኽእል፣ ክትጸንሕ ኣለዋ’ ዝብል መርገጺ ሒዘን ክብል እዩ ዝኸስስ።
ሓፈሻዊ ምርጫ ደቡብ ሱዳን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ክካየድ መደብ ኣሎ። እንተኾነ፣ ቀንዲ ተቐናቐንቲ ዝኾኑ ውድባት፣ መጀመሪያ ተበጊሱ ዘሎ ዘተ ሰላም ብግቡእ ይሰላሰል ክብሉ ቅድመ-ኩነት ኣቐሚጦም ይርከቡ።
ብኬንያ ተኣሚሙ ብኣላዪነት ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ዛጊት ዝጭበጥ ፍረ’ኳ እንተዘየምጸአ፣ ቅድሚ ሓፈሻዊ ምርጫ ምክያዱ፣ ኩሎም ተቐናቐንቲ ወገናት ኣብ ሓደ መኣዲ ዘተ ኮፍ ኢሎም ጉዳያቶም ዝፈትሑሉ ኣጋጣሚ ክፍጠር ኣለዎ፣ ክብሉ’ዮም ዲፕሎማሰኛታት ርእይቶኦም ዝህቡ።
ሳልቫ ኪር ማያርዲት ኣብቲ ንገዛእ ርእሱ ንኤስ.ፒ.ኤል.ኤም. ወኪሉ ከም ሕጹይ ተወዳዳሪ ዘቕረበሉ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ዘተ ሰላም ክዕወት ዘይተሓለለ ጻዕሪ ይገብር ከምዘሎ፣ ብኡ መሰረት ከኣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ 2024 ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ምርጫ ርትዓዊን ኣሳታፊን ክኸውን እምነት ከምዘለዎን ገሊጹ።
ሓፈሻዊ ምርጫ ደቡብ ሱዳን ንኽጸንሕ ብሃገራት ምዕራብ ዝቐርብ ዘሎ ሓሳብ፣ ቀንዲ ተቐናቓኒ ሪክ ማቻር ዝርከቦም ተቓወምቲ ሓይልታት፣ ደገፎም ሂቦም ኣለዉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0