ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ድኹም ምሕደራ ብብዝሒ ግብረሽበራዊ ስግኣታትን ድኽነትን ካብ ዝተሃስያ ቀዳሞት ዕስራ ሃገራት ዓለም

RADIO ERENA – Friday , 19 July 2024

ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ሰንኮፍ ምሕደራን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዕጥቃዊ ግጭታትን ካብተን ብብዝሒ ግብረሽበራዊ ስግኣታት ዘለወን ሃገራት እየን።

ኣብቲ ዞባ መርበባት ገበናት ሽፍትነት ባሕሪ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰባት፣ ዘይሕጋዊ መሸጣ ኣቑሑትን ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳን ውን እንተኾነ ብብዝሒ ከም ዝርአ ይፍለጥ።

ኣብ ገማግም ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ግብረሽበራዊ ጉጅለታት ከም ኣል-ሸባብ ኣብ ፑንትላንድ ሶማልያን እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ሞዛምቢክን ብፍላይ ኣብ ባሕሪ ብሰንኪ ድኹም ጸጥታ ኣብቲ ዞባ ተደጋጋሚ ዕንወታት ከም ዘምጽኡ ይፍለጥ።

ገማግም ባሕሪ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ደቡባዊ ሶማልያ ክሳብ ገማግም ባሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ 4600 ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ ኮይኑ ቀርኒ ኣፍሪቃን ገማግም ምብራቕ ኣፍሪቃን ምስ ቀይሕ ባሕሪ፣ ወሽመጥ ዓደንን ህንዳዊ ውቅያኖስን ይዳወብ።

እቲ ዞባ ሳላ ዘለዎ ጸጋታት ህዝቢ ኣብ ዝሓሸ ርግኣትን ሰላምን ካብ ጥሜት ነጻ ዝኾነ መነባብሮ ክመርሕ እኩኣ እንተነበሮ ብዘለዎን ባህርያውን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ኣብ ቀጻሊ ግጭታትን ጥሜትን ይርከብ።

ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝድነቕ ቁጠባዊ ዕብየት ከምዘርኣያ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ድኽነት ርኡይ ምንካይ ከምዘርኣየ ይፍለጥ።

ይኹን እምበር እቲ ዞባ ልዑል ደረጃ ዘይምዕሩይነት ሒዙ ይቕጽል ኣሎ።

ሃብቲ ኣብ ኢድ ውሑዳት እናተዋህለለ ክኸይድ እንከሎ፣ መብዛሕትኡ ሰብ ድማ ከም ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ዝኣመሰሉ ኣዝዩ መሰረታዊ ድሌታት ንምምላእ ይቃለስ ኣሎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0