ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ናይ ኣስታት 20 ስደተኛታት ሬሳ ጸምበለል እናበለ ተረኺቡ

RADIO ERENA – Tuesday, 06 May 2025

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ካብ ሊብያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝተበገሱ ስደተኛታት ዝጸዓና ሓያሎ ጃላቡ፣ ደሃየን ከምዝጠፍአ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን፣ ሬሳታት ጸምለለል እናበለ ይርከብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት፣ ናይ 16 ሰባት ሬሳ ጸምበልል እናበለ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሚስራታ ከምዝተረኽበ ዝሓበረ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ፣ ናይ ምድላይ መስርሕ ይቕጽል ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሓት መጋቢትን ሚያዝያን፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣማኢት ስደተኛታት ዝጸዓና ብውሕዱ ኣርባዕተ ጀላቡ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምስተበገሳ ዛጊት ደሃይ ከምዘይብለንዩ ዝሕበር ዘሎ።

ብውሕዱ ክልተ ከምዝጠሓላ ክረጋገጽ እንከሎ፣ ህይወት ኣብ ምድሓን ተዋፊረን ዝርከባ ትካላት ግብረ ሰናይ ሊብያ፣ ኣብ ባሕቲ ግንቦት ናይ ሽዱሽተ ሰባት ሬሳ ጥራይ ከምዝረኸባዩ ተጠቒሱ።

ድሒሩ ድማ ናይ ካልኦት 16 ከምዝተረኽበ ሰበ ስልጣን ሚስራታ ኣረጋጊጾም። ሬሳታት ናይ ምድላይ መስርሕ ገና ቀጻሊዩ ዘሎ።

ኣብ መወዳእት ወርሒ ሚያዝያ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሱ ልዕሊ 600 ስደተኛታት ብሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ተዓጊቶም ከምዝተመልሱ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

ገለ ካብተን ጠፊኤን ዝተባህላ ጃላቡ፣ ብሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ተመሊሰን፣ እቶም ስደተኛታት ድማ ተኣሲሮም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተስፋታት ኣሎ።

ካብ መጀመርያ ዓመተ 2025፣ ኣስታት 250 ቆልዑን 700 ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ብድምር ልዕሊ 7200ስደተኛታትን ሓታቲ ዑቕባን፣ ብሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ተዓጊቶም ክምለሱ እንከለዉ፣ 127 ድማ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ህይወቶም ሓሊፉ።

ኣብዛ ዓመት እዚኣ፣ በጀላቡ ተበጊሶም ደሃዮም ናይ ዝጠፍአ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ብዝሒ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፣ 180 ከምዝበጽሐ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት የመልክት።

ስእሊ፣ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርንት

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0