ኤርትራ፣ ኣብ እዋን ጾምን ስግደትን ዓርቢ ስቕለት ተቓውሞ ከይለዓዓል ብምስጋእ፣ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ሓይልታት ጸጥታ ይዋፈሩ

Radio Erena: 25 April 2019

ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ እዋን ጾምን ስግደትን ዓርቢ ስቕለት፣፣ ተቓውሞ ህዝቢ ከይለዓዓል ዝሰግአ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ዓበይቲ ከተማታት ኤርትራ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣዋፊሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን፣ ወትሃደራዊ ልብሲ ዝወደዩ ኣባላት ሰራዊት፣ ኣብ ጎደናታት ብብዝሒ ይንቐሳቐሱ ከምዘለዉ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ሲቪል ዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታንን ሃገራዊ ድሕነት’ውን ምንቕስቓስ ህዝቢ ኣብ ምክትታል ብብዝሒ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

እቶም ሓይልታት ጸጥታ፣ ብፍላይ ኣብቲ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝእከበሉ ኣብያተ ክርስትያናት ከም እንዳ ገብርኤል ናይ ኣኽርያን እንዳ ማርያምን፣ ብብዝሒ ተዋፊሮም ከምዘለዉ፣ ህዝቢ’ውን ምውፋሮም ፈሊጡ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ይዛረበሉ ምህላዉን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ጠቒሱ።

ህዝቢ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝህንጠዮ ዘሎ ናይ ስርዓት ለውጢ፣ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያ ኤርትራን ፓትርያርክ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስን ዝፈጸሞ በደልን ግፍዕታትን ዘቃልዕ ናይ ቪድዮን ድምጺን ሓበሬታ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝርከባ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ድሕሪ ምቅልሑ ብዝፈጠረሉ ስምዒታት ተደፋፊኡ፣ ነቲ ናይ ዓርቢ ስቕለት፣ ናይ ጾምን ስግደትን ዕለት፣ ናብ ተቓውሞ ከይቕይሮ’ዩ መንግስቲ ኤርትራ ሰጊኡ ዘሎ።

========================