ሽውደን፣ ብጾታዊ ዓመጽ፣ 5 ዓመት ክእሰሩ ክልተ ዝተፈርዶም ኤርትራውያን፣ ናብ ዓዶም ከይስጎጕ ተበይኑ

Radio Erena: 24 December 2019

ኣብ ሽወደን፣ “ንሓንቲ መንእሰይ ዓሚጽኩም ተባሂሎም” ዝተኸሰሱ ክልተ ኤርትራውያን፣ ነፍሲ ወከፎም ሓሙሽተ ዓመታት ብጽኑዕ ክእሰሩ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ከምዝወሰነ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢራ።

እንተኾነ፣ እቶም ኣብ ሽወደን ዑቕባ ሓቶቶም ዝነብሩ ኤርትራውያን፣ ናብ ሃገሮም ክስጎጉ ከምዘይክእሉ እቲ ቤት ፍርዲ በይኑ ሂቡ።

እቶም ኣብ 30ን 32ን ዝዕድሚኦም ክልተ መእሰያት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፣ ኣብ መንገዲ ንዝተራኸቡዋ መንእሰያት፣ ከሰንይዋ ድሕሪ ምሕታቶም፣ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶኮልምን ናብ ገዛኣ ብምእታው ከምዝዓመጹዋ’ያ ክሲ ኣቕሪባ።

ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ብኡ ንብኡ ናብ ፖሊስ ብምድዋል፣ ብዝተኣከበ ሓበሬታ፣ ዝወረዳ ኣካላዊ ጎነጽ መርመራ ዲኤንኤን ተኻይዱላ።

እንተኾነ እቲ ሓደ ንዝቀረበሉ ክሲ ምሉእ ብምሉእ ከንጽጎ እንከሎ፣ እቲ ካልኣዩ ግና ብወለንትኣ ጾታዊ ርክብ ከምዝፈጸመ’ዩ ጠቒሱ።

ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ብዝኣክቦ ጭብታት፣ ቤት ፍርዲ ንኽሱሳት ገበነኛታት ክልይኖም ስለዝረኽቦም ብጽኑዕ ክእሰሩ እኳ እንተወሰነሎም፣ ናብ ኤርትራ ክስጎጉ ንዝብል ጠለብ ግና ኣይተቐበሎን።

===================