መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ መዚዙ

Radio Erena: 22 January 2023

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ’ታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ኣፋንዩዎ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ንይናገር ደሴ ካብ ስልጣኑ ዘባረረሉ ምኽንያት ብወግዒ እኳ እንተዘሓበረ፣ እታ ሃገር ኣብ ኲናት ሓድሕድ ካብ እትጽመድ ኣብዚ ውሽጢ ክልተ ዓመታት፣ ዝቕባበ ቁጠባኣ ናብ 33% ምስ ምዕራጉ ክተሓሓዝ ከምዝኽእል ኣመታት ኣሎ።
መተካእታኡ ማሞ ምህረቱ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ኢትዮጵያ ኮይኑ ክገግልግል ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር መዚዙዎ ኣሎ።
ማሞ ምህረቱ፣ ኣቐድም ኣቢሉ ኣማኻሪ ቁጠባ ቀዳማይ ሚኒተር፣ ከምኡ’ውን ኣመሓዳሪ ማእከል ወፍሪ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፣ ሚኒስተራት ማዕድንን መጎዓዝያን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሓደስቲ ሚኒስተራት እውን ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት መዚዙ እዩ።

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0