Radio Erena: 16 July 2021
ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ንዝሓዝዎም ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ንዝማረኽዎ ኣጽዋርን ንብረታትን ኣብ ምምልላስ፣ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕ ከምዘዋፈርዎም ምንጭታት ኤረና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።
እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ግዱድ ስራሕ ምውፋሮም ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ ሓደ ካብኣቶም ብዝተተኮሰሉ ጥይት ክመውት እንከሎ ካልእ ድማ ከምዝቖሰለ ጠቒሶም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ከባቢ ሽረ ከምዝተኣስሩ ዘመልከተ ኮሚሽነር ኮሚሽን ላዕለዋይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ፍሊፖ ግራንዲ፣ ብዛዕባ’ቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ማእሰርቲ መብርሂ ክወሃቦ ኣብ መቐለ ንዝርከቡ ሰበ ስልጣን ተወኪሱ ኣሎ።
ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕታት ይፍጽም ከምዘሎ ዝገልጽ ጸብጻባት ከምዝበጽሖ ብምግላጽ ድማ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ነቲ ጉዳይ ከጻርይዎ ሓቲቱ።
ስእሊ፤- ሰነዳት ራድዮ ኤረና
=================