ኤርትራ፣ ኣብ ካልእ ዞባታት፣ ኣብ ማእቶት ተዋፊሩ ዝጸንሐ ብዝሒ ሰራዊት ናብ ጋሽ ባርካ ይወርድ

Radio Erena: 18 April 2019

      ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣብ ማእቶት ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊት፣ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ምንቅስቓስ ሰራዊት፣ ካብን ናብን ንቡር ፍጻሜ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ኣብ ዚ ሳልስቲ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ምንቓስቃስ፣ ኣብ ሱዳን ኣጋጢሙ ካብ ዘሎ ኩነታት፣ ኣብ ተሰነይ፣ ኣቑርደትን ካልእ ከባቢታት ምዕራብ ኤርትራን ጽልዋ ከይህልዎ ካብ ምስጋእ’ዩ ዝብል ጥርጣረታት ከምዘሎ ይግመት።

ካልኦት ወገናት ድማ እቲ ሰራዊት ብዘይዕረፍቲ ካብን ናብን ዝንቐሳቐስ ዘሎ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገር ከየተኩርን ሕቶታት ከየለዓዕልን ካብ ምስጋእ ምዃኑ የመልክቱ።

ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተጀመረ ሓድሽ ርክብ፣ ብርክት ዝበለ ሰራዊት፣ ናብ ኢትዮጵያ ዘእቱ ጽርግያታት ኣብ ምጽጋን ተዋፊሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ንዝመጽእ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ምጥያስ ይኹን ምፍናው ሰራዊት ከምዘይህሉ ኣቐዲሙ ከምዝተሓበረ ዝዝከር ኮይኑ፣ “ወያነ ጠቕሊላ ክሳብ ትጠፍእ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ኣየተኣማምንን’ዩ ፣” ዝብል ምኽንያት’ዩ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወሃቦ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 3
  • comment-avatar

    Amlak Niwoyane bimftaru tegagyu kisanet sienu hizbi Eritrean Tigrain nizterefu biherat ethiopia mehgosiaom kuinina kisabmeas ena nikesn
    Amhara kedem haradi hiziwn ketali red seaaaaaaaa libom hamom

  • comment-avatar

    ኣድማዒ ተራ ክትጻወቱ ምሕጽንታ ህዝብኹም እዩ እሞ ሃየ የራኹም ተጻወቱ።

  • comment-avatar
    ሰለሙን 5 years ago

    ኩሉ ግዜ ምክኒያታት አቅሪብካ ምግዛእ እዩ ስርሑ:: ..