ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላትን ጽልውኡን ኣብ አህዛብን ሃገራትን

ፖለቲካዊ መሰላት

መሰሉ ዝተሓድገን ዝተዓመጸን ወገን መሰሉ ንምምላስ ኩሉ ዝከኣሎ ከምዝፍትን ታሪኽ ሚሂሩና ኢዩ። ከምቲ ደጋጊምና ዝበልናዮን ኣብ ዝሓለፈ መደብና ብዝርዝር ዝገለጽናዮን ህዝቢ ኤርትራ እውን መሰሉ ምስተሓድገን ባይቶኡን መንግስቱን ምስፈረሰን መጀመርታ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቓልሲ፡ ብኡ ምስላጥ ምስ ኣበዮ ከኣ ብረት ኣልዒሉ ንሰላሳ ዓመታት ተቓሊሱ ናጽነቱ ህያው ዝገበረ። በዚ ዝመጽአ ከኣ ንመሰል ዝኽፈል ዋጋ፣ ንመሰል ዝወሃብ ክብሪ እንተወሓደ ማዕረ እቶም ንመሰሎም ዝተቓለሱን ዋጋ ዝኸፈሉን አህዛብ ዓለምና ይፈልጦ ኢዩ።

 

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት “ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰላምን ርግኣትን መዳርግቲ ከምዘይብሉ ወጻእተኛታት መስኪሮሙሉ። ኣብ ኤርትራ ዝህነጽ ዘሎ ትሕተ ቕርጺ በጻሕቲ ተደኒቖሙሉ፤ ሓደ ምሁር ሓድነት መራሕቲ ኤርትራ ከምዘገረሞ ገሊጹ፣ ንራኢ መንግስቲ ሞጉሱን ወዲሱን” እናተባህለ ኣብ ማዕከናት ዜናና ኪደጋገም ሰሚዕና ኣሎና። ይኹን እምበር ነቲ ብዙሕ ግዜ ብተደጋጋሚ  ዝተላዕለ ጉዳይ፡ ሓንቲ መዓልቲ እውን ትኹን ንፈውሲ ማሕላ “ሓንቲ ማዕከን ዜና እቲ ብ1997 ብባይቶ ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ዛጊት ከምዘይተተግበረ፣ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ከምዘየሎ፣ ሓደ ደርዘን ላዕለዎት መራሕትን ክንደኦም ደርዘን ጋዜጣኛታትን እታ ሃገር ብዘይ ፍርዲ ንዓሰርተ ዓመት መመላእታ ተኣሲሮም ከምዘለዉ፣” ገሊጻ ተባሂሉ ተወርዩ ኣይፈልጥን።
ምኽንያቱ ብዛዕባ መሰል ምሕታት ንመለኽቲ ከም ሞት ስለዘርዕዶም። ይኹን እምበር ኣጋፈርቲ ምልካውያን፡ “ሓደ ህዝቢ ኣገልግሎት ሕክምና እንተረኺቡ፣ ደቁ እንተምሂሩ፣ ከብዱ ተዓንጊሉ ጽሩይ ማይ እንተሰትዩ፣ ዲሞክራሲዶ ምርጫ ኢሉ ኪሓምም የብሉን። ዲሞክራሲ ምዕራብ ንምዕራብ እውን ኣየሐጎሰን።” እናበሉ ኩሙጉቱ ይስምዑ ኢዮም።

ግን መሰል መግብን መሶብን ጥራሕ ኣይኮነን። ህዝብታት ቱኒዝያን ግብጽን ዝብላዕን ዝስተን ስለዝሰኣኑ ኣይኮነን ናብ ጎደናታት ከተማታቶም ብምውሓዝ ኣንጻር መለኽቲ መራሕቶም ውዕዉዕ ህዝባዊ ናዕቢ ዘካየዱ። ኣገልግሎት ትምህርትን ሕክምናን ስለዘይብሎም እውን ኣይኮነን፣ ምልኪ ኣብቂዑ ፍትሒ ኪነግስ፣ ህዝቢ ቆጺሊ ብዘውደቐሎም ወከልቱ ኪመሓደር ብድምጾምን ደሞምን ንመሰሎም ኪጣበቑ ንርእዮም ዘሎና። ፖለቲካዊ መሰል ዘይሕከኽ ኣካል ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰል ስለዝኾነ እምበር።
ቱኒዛውያን ነቲ ኣብ 1987 ብንኡሱ ናብ መንበር ምስ ደየበ ዳሓር ገቢሉ ዘውዲ ምልኪ ብምድፋእ ን23 ዓመታት ዝገዝኦም ውልቀ መላኺ ፕረዚደንት ቤን ዓሊ ንኣስታት ወርሒ ዝኸውን ልዑል ህዝባዊ ናዕቢ ብምክያድ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ማለት ብ14 ጥሪ 2011 ካብ ስልጣን ኣልዮሞ። ግብጻውያን ከኣ ነቲ ኣብ መወዳእታ 1981 ስልጣን ዝሓዘ መራሒኦም ፕረዚደንት ሑስኒ ሙባረክ ንምልካዊ ምምሕዳሩ ብምቅዋም ቅድሚ ትሽዓተ መዓልታት ጀሚሩ ገና ዝቕጽል ዘሎ ውዕዉዕ ህዝባዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ። ክልቲኦም ህዝብታት ምልኪ ኢዮም ተቓዊሞም። ነቲ ስማዊ ምርጫታት ብምክያድ ናብ ደቆም ንምስግጋር ዝደናደን ዝነበረ ምልከ ንግስነት ድማ ስዒሮሙዎ።

ሽግ ናይዚ ኩሉ ምልዕዓል እቲ ነብሱ ንሞት ዝወፈየ ቱኒዝያዊ መንእሰይ መሓመድ ቦዓዚዝ ኢዩ። ንሱ ነብይ ቱኒዝያ ጥራሕ ዘየኮነ ነብይ ዓረባዊ ዓለም፡ መምህር መለኽቲ ስርዓታት ተስፋ ውጽዓት ህዝብታት ዓለምና እውን ኢዩ።
እቲ ንዓመታት ተደጒሉ ዝጸንሐ ምረትን ጭቆናን ኣብ ሓደ ወጋሕታ ብኸምዚ ናይ መሓመድ ቦዓዚዝ ክውንነት ኪባራዕን ሽግ ለውጢ ኮይኑ ኪቃጸልን ከምዝኽእል ቱኒዝያን ግብጽን እኹላት መሰኻኽር ኢየን። እቲ ብልሹውና፣ ግህሰት ሓሳብካ ምግላጽ፣ ሽቕለተ ኣልቦነት ናህሪ ዋጋታት ሃለኽትን ድኽነትን ኣብ ሓደ እዋን ውዕዉዕ ህዝባዊ ምልዕዓል ፈጢሩ ንመለኽቲ ኣንቀጥቂጡ።

እዘን ክልተ ሃገራት ቅዋም ነይሩወን። ምሉእ ናጽነት እኳ እንተዘይብሉ ብሕታዊ ፕረስን እውን ኣለወን። ዋላኳ ናጻን ርትዓውን ኣይኹን እምበር ምርጭታት እውን የካይዳ ኢየን። ድሩት ዝመሰላተን ተቓወምቲ ውድባትን ሓሳብካ ንምግላጽ ዘፍቅድ ናይ ሰላማዊ ሰልፊ መሰል እውን ነይሩወን። ኪሳዕ ነቶም መለኽቲ ዘይተንከፈን ዘይተጸባጸበን ህዝቢ እንተተንፈሰን ተወጺዕና ተረጊጽና እንተበለን እውን ግዲ ኣይነበረንን። እንተኾነ ካብዚ ዝተማሃርናሉ ህዝባዊ ናዕብን ነውጽን ኪድሕና ኣይከኣላን። እዚ ከኣ ንህዝቢ ኣፉ ሎጊምካ ከም በቕሊ ኪሳዕ ቃሕ ዝበለካ ኪትስቀሎ ከምዘይከኣል፣ እተረፍ ህዝቢ መጽዓኛ እውን እንተመሪሩዎ ከምዝንድርን ከምዝራጋሕን ምስክር ኢዩ።  

ንሓደ ህዝቢ ንዘልኣለም ኪትረግጾን ኪትመልኮን ከምዘይከኣል፣ ብፍታው እምበር ብሓይሊ ንህዝቢ ከተስምዕ ከምዘይከኣል ዝተፈላለየ ታሪኽ ዓለምና ሚሂሩና ከብቅዕ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ሓሓሊፉ ኪድግም ንርእዮ ኣሎና።
መለኽቲ ሽሕ እንተሓየሉ፣ ኩምራ ዕጥቅን ኣጻዋርን እንተወነኑን ንህዝቦም ዘልኣለም ኣፉ ዓቢሶም ኪገዝኡዎ ከምዘይክእሉ ምህሮ ዓለምና ውሑድ ኣይኮነን። መለኽቲ ግን ኣርሒቖም ኪርእዩ ኣስፊሖም ኪሓስቡ ስለዘይክእሉ ስቕ ኢሎም ምስቲ ውሕጅ እናሰሓቑ ኢዮም ዝኸዱ። መልኽቲ ኣብ ኣፍሪቃ ይሃሉዉ ኣብ ጋልፍ ፣ ኣብ ኤሽያ ይንበሩ ኣብ ላቲን ኣመሪካ ተመሳሳሊ ባህሪ ኢዩ ዘለዎም። ብዛዕባ ባህሪያቶምን ሓፈሻዊ ምስሎምን ኣብ ዝቕጽል መደባትና ብዕምቆት ከነቕርቦ ስለዝኾንና ንሎሚ ውሒድ ኣብነታት ይኣኽለና ኢዩ።
ንኹላቶም መለኽቲ ቀንዲ ዘሰንብዶምን ዘርዕዶምን ህላዌ ናጻ ማዕከናት ዜና ኢዩ። ህዝቢ ብዘይካ ድምጾም  ካልእ ድምጺ ኪሰምዕ ስለዘይደልዩ፣ ብዛዕብኦም እንተዘይኮይኑ ብዛዕባ ካልእ ኪሓልምን ኪሓስብን ስለዘየፍቅዱ፣ ሓበሬታታት ብምዕጻው ካልእ ኣማራጺታት ከምዘይረኣዮ ኢዮም ኪገብሩ ዝጽዕሩ። ልክዕ ከምዚ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ንርእዮ ዘሎና።

ቲቪ ኤረ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለምና ንዝኽሰት ዓሌታዊ ግጭትን ኣብ ምርጫታት ንዘጋጥም ረጽምን ብመልክዕ ዜናን ትንታነ ዜናን ዕለት ዕለት እናቕረበትልና አረ ነዊሕ ንድሕሪት ተመሊሳ ኣብ ዘበነ ጊላነትን ዝሑል ኩናትን ሓጢኣት ኣመሪካን ሲኣይኤን ብመልክዕ ትረኻን ትንተናን እናስተምሃረትና ኣብ ጎረባብትና ንዘጋጥም ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓል ኣንጻር ምልኪ ግን በቒቓትልና።

ቲቪ-ኤረ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብሰንኪ ምትእትታው ዲሞክራሲያዊ መስርሕ ምርጫ ንዘጋጥም ረጽሚ ብመልክዕ ዜና እትፍንዎ መደባት ልዕሊ ዜናነቱ ዝምዘን መልእኽቲ ኣለዎ። “ እዞም ሰናይና ዘይምነዩ ወገናት፣ ቅዋም፡ ዲሞክራሲ፡ ሰልፊ፡ ምርጫ፡ እንተበሉ ኣይትስምዑዎም። ንዓና ጎጎ እምበር ሰልፊ ኣየድልየናን ኢዩ። ንዓና ሃንዛ እምበር ቅዋም ኣየድልየናን ኢዩ። ንዓይ እመኑ።” ማለት ዘይሙዃኑ መን ከምእምነና ይኽእል።
 
ህዝብና ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰሉ ስለዝተገፈ እምበር ዕንጋሎ ሲኢኑ ኣይኮነን ተቓሊሱ። ከም ህዝቢ ባህሉን መንነቱን ስለዝተደፍረ፣ ብቛንቁኡ ከይመሃርን ሓሳቡ ከይገልጽን ስለዝተኸልከለ እምበር ጠበንጃ ዓጢቑ ፈቐዱኡ ዱሩን ጣሻን ከርተት ክብል ስለዝተበረሆ ኣይነበረን ተጋዲሉ።
እታ ዝተቓለሰላን ዝደመየላን መሰል ግን ብምልኣት ኣይረኸባን።  ኪኖ ጎጎን ሃንዛን ኪትምሰል ኣይከኣለትን። ርግጽ ኢዩ ሃገራት ነናተን ቀድምትነታት ኪህልወን ይኽእል ኢዩ። ንቡር እውን ኢዩ። ግን ድምጺ ህዝቢ ዓቢስካ ኣይኮነን ቀደምትነታትካ ትሰርዕ። ድሌትን ምርጫን ህዝቢ ዓቢስካ ኣይኮነን መደባት ልምዓትካ ትሕንጽጽ። ኣሻሓት መንእሰያት ሃገሮም ገዲፎም እናተሰዱ፣ሃገር ብሃገራ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ብዘይትፈልጥ ብልሹውና እናተቖማጠዐት፣ ንሃገሮም ኪሰርሑላ ዝኽእሉ ካልኦት ኣሽሓት ምኩራትን ምሁራትን ብምሒር ጸቕጥን ግፍዕን ንዘፍቅሩዋ ዓዶም ሕቖኦም ሂቦማ እናተሰዱ፣ ንሃገራዊ ስምዒትን መንፈስ ዝቡሕጉግ ኣብ ልዕሊ ሕግን ፍትሕን ዘሽካዕልል ነቓጽ ኣካይዳ እናኸድካ ሃገር እሃንጽ ኣለኹ ኪትብል ዕሽነት ጥራሕ ኢዩ። ህዝቢ ከኣ  ንግዝይኡ ስለዝፈርሐ እምበር ስለዝኣመነ ኣይኮነን ርዒሙ ዘሎ። ስለዚ መራሕትና ሕጂ ኢዮም ኪልቡሙ ዝግበኦም። ሕጂ ኢዮም ብንፋስ ቱኒዝያን ግብጽን ኪሓስቡ ዝለዎም። ሕጂ ኢዮም ኪዕረዩን ኪተዓራረዩን ዘለዎም። ከም ወትሩ ሕጂ ካብ ጽባሕ ስለዝምረጽ። ካልእ ነብስኻ ምትላልን ምትዕሽሻውን ኢዩ።

እዚ ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልክን ጸቕጥን፣ ራዕድን ስግኣትን ብዝኾነ ይኹን መጋረጃ ኪትክውሎን ኪትሓብኦን ዝከኣል ኣይኮነን። ዘቑጸልጽል ቃላትን ቅብኣን ድምጺ ሓቅና ነበር “ድምጺ ሓፋሽ!” ኮነ ቲቪ ኤረና እውን ኪኽውሎ ኣይክእል ዘሎ። ምኽንያቱ ባይታን ባይቶን ካልእ ማይክሮፎን ስክሪኒንግ ከኣ ካልእ ስለዘዘንቱ። እታ ናይ ቀደም ድምጺ ሓቂ ነበር ድምጺ ሓፋሽና ሎሚ ድምጺ ምልኪ ጥራሕ ሙዃና ዘይፈልጥ ዜጋ ኣይክህሉን ኢዩ። ንሳ እተዘናግዖ እምበር ንሳ እተእምኖን እተዐሽዎን ዜጋ ከምዘየሎ፡ ዝያዳ እኳ ደኣ ድኻሞም ተቃልዖም ከምዘላ መራሕትና ኪፈልጡን ርግእ ኢሎም ብምሕሳብ ኣካይዳኦም ኪቕይሩ ኪፍትኑ ኣለዎም።

ኤርትራውያን ከይንዛረብ ኣፍና ተለጊሙና ኩሉ መሰላት ተዓጽዩና፣ ከይንጽሕፍ ጋዜጣታትና ተሓቢሱ፣ ከይንእከብ ተኸልኪልና፣ ከይንውደብ ተገዚትና፣
ንርከብ ኣሎና። እቲ መላኺ ኢደ እግሪ እምበር አእሙሮ ህዝቢ ኪቆጻጸር ከምዘይክእል ብኣግኡ ኪፈልጥ ኣለዎ። ንፍጻሜ ቱኒዝያን ግብጽን ካብ ቲቪ ኤረ እኳ ኪሓብኦ እንተፈተነ ካብ ህዝቢ ኪሓብኦ ግን ኣይክእልን ኢዩ። ምኽንያቱ እዚ ዘለናዮ እዋን ዘበነ ሓበሬታ ኢዩ። ዓለም ከኣ ጸቢባን ኒኢሳን ኢያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0