ሰራዊት ዚምባብዌ፣ ንፕረዚደንት ሙጋበን ስድራቤቱን ምእንቲ ድሕነቶም ናብ ውሑስ ቦታ ከምዘግዓዘ ኣፍሊጡ

ሰራዊት ዚምባብዌ፣ ንፕረዚደንት ሙጋበን ስድራቤቱን ምእንቲ ድሕነቶም ናብ ውሑስ ቦታ ከምዘግዓዘ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 15 November 2017

Zimbabwe army

ሰራዊት ዚምባብዌ፣ ንፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበን ስድራቤቱን ምእንቲ ድሕነቶም ናብ ውሑስ ቦታ ከምዘግዓዘ ኣፍሊጡ።

ሰራዎት ዚምባብዌ ነዚ ዝገለጸ፣ ናብ 15 ሕዳር ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ንመደበራት ቴሌቪዥንን ሬድዮን እታ ሃገር ድሕሪ ምቁጽጻሩ’ዩ።

ኣፈኛ ሰራዊት ዚምባብዌ ሜጀር ጀነራል ሞዮ፣ ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ሰራዊት ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፣ ኣብ ውሻጠ መንግስቲ ተሓቢኦም ንዘለዉ ገበነኛታት ንምህዳን ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ንፕረዚደንት ሙጋበን ስድራቤቱን ምእንቲ ድሕነቶም ናብ ውሑስ ቦታ ከምዘግዓዘ ሓቢሩ።

ኩነታት ድሕሪ ምርግግኡ፣ እቲ ፕረዚደንት ናብ ቦትኡ ክምለስ ምዃኑ’ውን ኣገንዚቡ።

እቲ ብሰራዊት ዚምባብዌ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ወትሃደራዊ ዕልዋ’ዩ ክብሉ ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ይገልጽዎ እኳ እንተለዉ፣ ሰራዊት ግና ኩነታት ኣረጋጊኡ ስልጣን ናብ ፕረዚደንት ሙገበ ክመልስ ምዃኑ’ዩ ዝሕብር።

ፕረዚደንት ዙምባብዌ ሮበርት ሙጋበን ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍን ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ክፈትሑ እንተዘይክኢሎም፣ ሰራዊት እታ ሃገር ምትእትታው ክገብር ምዃኑ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ እታ ሃገር ጀነራል ኮንስታንቲን ቺዌጋ ኣብ 13 ሕዳር ብጽሑፍ ኣጠንቒቑ’ዩ።

እቲ ጀነራል ነዚ መጠንቐቕታ ድሕሪ ምምሕልላፉ፣ ታንክታት ናብ ከተማ ሃረረ ክኣትዋ ከምዝተዓዘቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ክሕብሩ ጸኒሖም።

ሰራዊት ንመደበር ቴሌቪዥንን ሬድዮን ከምኡ ድማ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ኣብ ዝተቖጻጸረሉ፣ ኣብታ ከተማ ተዅሲ ይስምዓ ምህላዉ’ውን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

ብእርጋን ተሰኒፉ ዘሎ ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ስልጣኑ ናብ በልዕልቲ ቤቱ ንምስግጋር፣ ምክትሉ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን ገዳም መቃልስቱ ነበረን ካብ ስልጣን ክእስርን ክሰጉግን ምጽንሑ ጸብጻብ የመልክቱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0