UPDATED: ሓደ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾነ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ መንእሰይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደሃዩ ጠፊኡ

UPDATED: ሓደ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾነ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ መንእሰይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደሃዩ ጠፊኡ

Radio Erena: 02 July 2018

Erimias Tekie

ሓደ ካብ ንጡፋት ደለይቲ ፍትሒ ዝኾነ ኤርምያስ ተኪኤ ዝተባህለ ኤርትራዊ – ሽውደናዊ መንእሰይ፣ ካብ 21 ግንቦት ኣትሒዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደሃዩ ጠፊኡ ከምዘሎ ስድራቤቱ ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብ መፋርቕ 30ታታት ዝርከብ ኤርምያስ፣ ብ4 ግንቦት ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታው፣ ካብቲ ዓሪፍሉ ዝነበረ ሆቴል ብ21 ግንቦት ብዘይተፈልጡ ሰባት ተወሲዱ ከምዝተሰወረ’ዮም እቶም ስድራ ዝገልጹ።

ፈለማ ንፖሊስ ኢትዮጵያ፣ ድሒሩ ድማ ንኤምባሲ ሽወደን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ሚኒስትሪ ጉዳያት ውጻኢን ከምዝሓበሩ ዝጠቐሱ እቶም ስድራ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ንጹር ምላሽ ክረኽቡ ከምዘይክኣሉ ኣመልኪቶም።

ኣብ ኤርትራ ዴሞክራስያዊ ለውጢ ክህሉ ካብ ዝጽዕቱ ሓደ ዝኾነ ኤርምያስ ብሓደ ሓደ ዘይነጸሩ ጉዳያት፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተታሒዙ ከምዘሎ’ውን ጽንጽንታ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣባላት ስድራቤቱ፣ መቕርቡን ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ፈለጡን ኣብ ዝሃብዎ ለበዋ፣ ኤርሚያስ ብብዝኾነ ጉዳይ ተጠርጢሩ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተታሒዙ እንተደኣ ሃልዩ፣ ሕጋዊ መስርሕ ክኽተልን ብዝቀልጠፈ ናብ ፍርዲ ክቐርብን ተማሕጺኖም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0