Update : ልኡኽ ኢጣልያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ዘካየዶ ዝርርብ ጽሟቕ ትሕዝቶ

Update : ልኡኽ ኢጣልያ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ዘካየዶ ዝርርብ ጽሟቕ ትሕዝቶ

Radio Erena : 10 April 2015

ItalFla

ልኡኽ ኢጣልያ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣማኻሪኡ የማነ ገብርኣብን ብዕምቖት ዝተዘራረበሎም ሰለስተ ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ’ዮም፣-

1. ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዘተኮረ ኮይኑ፣ ኤርትራ ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራስዊ እትሰጋገረሉ ኣገባብ ንምንዳይ ዝዓለመ’ዩ። እቲ ዘተ ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብ’ዩ ተኻይዱ።

ኣቶ የማነ ገብርኣብ ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ንልኡኽ ኢጣልያ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፣ ኤርትራ ብድሌት ምዕራባውያን ዘይኮነ ብናይ ገዛእ ርእሳ መስርሕ ናብ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ክትሰጋገር ብሕጂ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ከምዘድልያ ገሊጹ።

 

ኣቶ የማነ ኣስዒቡ፣ መንግስቲ ኤርትራ ጽገናዊ ለውጢ ከምዘድሊ ስለዝኣመነ፣ ንፖሊሲታቱን ኣገባባቱን ዳግም ይምርምሮ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ጽገናዊ ለውጢ ኣብ ውሽጢ መሳርዕ እቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ውድብ ወይ ሰልፊ ማለት ህግደፍ፣ ከምዝጅምርን ካብኡ ቀጺሉ ድማ ኣብ ምምሕዳር ዞባታትን ካልእ ስልጣናት ናይቲ መንግስትን ከምዝስዕብ የመልክት።

ብዛዕባ ምርጫ ብዝምልከት’ውን መጀመርያ ክድፍሎም ዘለዎ ናይ ከባቢታት ምርጫ ምዃኑ’ዩ ኣቶ የማነ ንልኡኽ ኢጣልያ ገሊጹ።

ኣብ ቁጠባን ንግድን’ውን ጽገናዊ ለውጢ ከምዝደሊ መንግስቲ ኤርትራ ልዑል እምነት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ልኡኽ መንግስቲ ኢጣልያ ድማ፣ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ መወዳእታ ዘልዓሎ ነጥቢ፣ ኣብ ጉዳይ እቶም ንሓያሎ ዓመታት ተኣሲሮም ዝርከቡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበርን ጋዜጠኛታትን’ዩ።

ኣቶ የማነ ድማ ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝልዓለ ክድዓት ከምዝፈጸሙ ገሊጹ ጥራይ’ዩ ብዘይ ዝኾነ ተወሳኺ መብርሂ ሰጊርዎ።

ልኡኽ መንግስቲ ኢጣልያ ነዚ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሻጣዊ ፖለቲካዊ ጉዳይ ብምትኳር ዘካየዶ ዘተ ንተወሳኺ ዝርርብ ኣፍደገ ዝኸፍት’ዩ ክብል ደምዲሙ።

2. እቲ ካልኣይ ዝተላዕለ ነጥቢ ድማ፣ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናን ልምዓታዊ ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ኮይኑ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተኻየደ’ዩ።

ኣብ ስነ ሓሳብ ዘይኮነ ግብሪ ኣብ ዘድልዩ ልምዓታዊ ሓገዝ’ዩ ተተኩርሉ። ን10 ዓመታት ተቋሪጹ ዝነበረ ልምዓታዊ ሓገዝ ኢጣልያ ብናይ 2.5 ሚልዮን ኤውሮ ስምምዕ ዳግም ጀሚሩ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ፕሮጀክታት ጥዕናን ሕርሻን ክውዕል’ዩ። እዚ ናይ ኢጣልያ ተበግሶ ንመጻኢ ክቕጽልን ንኻልኦት ሃገራት ድማ ኣፍደገ ዝኸፍትን ክኸውን ዘለዎ ተስፋን እቲ ወኪል እምነቱ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ዘተኮረ ዝርርብ ብዛዕባ’ቶም ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዓሳክር ምልዓሉ፣ ልኡኽ ኢጣልያ ዘይተጸበዩ ምንባሩ ብምግራም ጠቒሱ ኣሎ።

3. ሳልሳይን መወዳእታን ዝተላዕለ ነጥቢ ድማ እቲ ንኢጣልያ ጥራይ ዘይኮነ ንኹለን ሃገራት ኤውሮጳ ብማዕረ ዘዘራርብ ዘሎ ጉዳይ ስደተኛታት’ዩ።

እዚ ነጥቢ’ዚ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ እኳ እንተተላዕለ፣ ብዝያዳ ግና ምስ ኣቶ የማነ ገብርኣብ’ዩ ተዘትይሉ።

ኤርትራውያን ንጠንቒ ስደቶም ዝገልጽዎ ኣውራ ምኽንያት ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ድማ ድሕሪ 2016 ኣብ ዘሎ ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክመልሶ መደብ ከምዘለዎ ኣቶ የማነ ንልኡኽ ኢጣልያ እኳ እንተረጋገጸ፣ እቲ ልኡኽ ግና እዚ ውሳኔ ብወግዒ ክግለጽ’ዩ ዝሓትት።

ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ካልእ ምስ ሱዳን ዝተጀመረ ጻዕሪ’ውን ከምዘይተዓወተ ኣቶ የማነ ይጠቕስ።

ኣብ ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታት ሱዳን ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ንምትሕብባር ድልውቲ ምዃና እኳ እንተረጋገጸት፣ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦትን ግና ከምዝቲ ዝድለ ኣይኮነን ዝበለ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ፣ ንመጻኢ ዝሓሸ ምትሕብባር ከተርኢ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ልኡኽ ኢጣልያ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ዑደት ኣምባሳደር ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ከምዘሰነዮ’ውን ክረጋገጽ ክኢሉ ኣሎ።

እቲ ወኪል ኣብቲ ካብ 24 ክሳብ 26 መጋቢት ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ኤርትራ ዑደት ምስ ሚኒስተራት ልምዓት፣ ጥዕናን ካልኦት ሰበ ስልጣንን’ውን ዝርርብ ኣካይዱ’ዩ።

ልኡኽ ኢጣልያ ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ ድማ ነቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘካየዶ ዘተ እዚ ዝስዕብ ደምዳሚ ርእይቶ ይህበሉ፣-

• ኣቶ የማነ ገብርኣብ ብዛዕባ ደሞክራስያዊ ጽገናዊ ለውጢ ዝሃቦ መግለጺ፣ ትርጉም ኣልቦን መስሓቕን’ዩ
• እዚ ኣብ ኤርትራ ዝተኻየደ ዘተ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ርክባትን ምስ ካልኦት ኤርትራውያን ዝተኻየድ ርክባትን ዝተፈልየ ነገረ ኣይነበሮን
• ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ርክብ ከም ኩሉ እዋን ጭቡጥ ውጽኢት የብሉን
• ይኹን’ምበር ኢጣልያ እትህቦ ሓገዝ ክትቕጽሎ’ያ
• ሕብረት ኤውሮጳ ሓንጺጽዎ ብዘሎ ሕድሽ ናይ ልምዓት ፖሊስ’ውን ካብ 200 ክሳብ 300 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ንኤርትራ ክወሃብ’ዩ
• ተወሳኺ ሓገዝ ክወሃብ እንተኾይኑ ግና ቅድመ ኩነታዊ ክኸውን ኣለዎ
• እቲ ዘሕዝን ድማ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ህልዉ ኩነታት ዋሕዚ ዜጋታቱ ናብ ስደት ክረብሓሉ ይፍትን ምህላዉ’ዩ

ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት
ካብ ኣስመራ
=========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0