UNHCR ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መሰል ስደተኛታት ንዘጽደቀቶ ሓድሽ ኣዋጅ ንኢዱ

UNHCR ፣ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መሰል ስደተኛታት ንዘጽደቀቶ ሓድሽ ኣዋጅ ንኢዱ

Radio Erena: 21 January 2019

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፣ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መሰል ስደተኛታት ንዘጽደቐቶ ሓድሽ ኣዋጅ ንኢዱ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እዚ ኢትዮጵያ ወሲዳቶ ዘላ ተበግሶ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘሎ ፖሊሲታት ስደተኛታት ብዝዓለ ካብ ዝድነቕ እወታዊ ውሳኤ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኮሚሽነር ናይቲ ትካል፣ ፊሊፖ ግራንዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፣ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ውሳኔ፣ እታ ሃገር ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሓ ስደተኛታት ናይ ምእንጋድ ባህሊ ብዝያዳ ዘጉልሕ ምዃኑ ብምዝኽካር፣ እዚ ውሳኔ፣ ምስ ኣህጉራዊ ስምምዓት ስደተኛታት ዝሳነ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንኻልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ’ውን ከም ሞዴል ዘገልግል’ዩ ክብል ሞጊሱ።

ኢትዮጵያ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘጽደቀቶ ውሳኔ፣ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ስደተኛታት፣ ክፉት ናይ ስራሕ ዕድላት ክረኽቡን ናብ ዝደለይዎ ቦታ እታ ሃገር ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ክሕለወሎም ዝብል’ዩ።

ብዘይካ’ዚ እታ ሃገር፣ ስደተኛታት ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተወሃሂዶም ዝነብርሉ ሰፋሕቲ ዕድላትን ክሳብ ዜግነት ናይ ምሕታት መሰልን ኣፍቂዳ ምህላዋ’ዩ ዝግለጽ።

እዚ ሓድሽ ውሳኔ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ንስደተኛታት ኤርትራ፣ ሓደገኛ ጉዕዞ ስደት ካብ ምቕጻል ከድሕን ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣቐዲሙ ብዝጸንሐ ኣዋጅ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ 10ታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ክሰርሑ ኮነ ናብ ዝደለይዎ ቦታታት እታ ሃገር ብናጻ ክንቀሳቐሱ ዝፈቅድ ኣይነበረን።

በብእዋኑ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ፣ ልዕሊ 170 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ሓሙሽተ መዓስከራት ከምዝተመዝገቡ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

እንተኾነ፣ ብዙሓት ካብኣቶም፣ ናብ ኬንያ ወይ ድማ ሱዳንን ሊብያን ሰጊሮም፣ ጉዕዞ ስደቶም ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ከምዝቐጸሉ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0