UNHCR፣ ኣብ ማእከላይ ባህሪ ካብ ዝጠሃሉ ኣስታት 700 ስደተኛታት እቶም 350 ኤርትራውያን’ዮም ክብል ምግላጹ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣቖጢዑ

UNHCR፣ ኣብ ማእከላይ ባህሪ ካብ ዝጠሃሉ ኣስታት 700 ስደተኛታት እቶም 350 ኤርትራውያን’ዮም ክብል ምግላጹ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣቖጢዑ

Radio Erena: 27 April 2015

UNOSMAN

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት UNHCR ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ ኣስታት 700 ስደተኛታት እቶም ኣስታት 350 ኤርትራውያን’ዮም ክብል ምግላጹ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣቖጢዕዎ።

ድሕሪ’ዚ ናይ UNHCR መግለጺ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ኣስመራ ንዝርከብ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ፣ ብዛዕባ ኤርትራ ግጉይ ሓበሬታ ተመሓላልፉ ኣለኹም ክብል ከምዝተቓወሞ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብቲ ብሓሙስ 23 ሚያዝያ ድሕሪ ቀትሪ ምስ ወኪል UNHCR ዘካየዶ ዝርርብ፣ ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያንን ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ኤውሮጳ ዑቕባ ንምርካብ ኤርትራውያን ኢና ከምዝብሉ ከረድኦ ምፍታኑ’ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ውዲት ሃገራት ምዕራብ ኣንጻር ኤርትራ እቲ ኣውራ ጠንቒ ኮይኑ ምህላዉ ዝጠቐሰ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ UNHCR’ውን ኣካል እዚ ውዲት እዚ ብምዃን ዘይተረጋግጸ ሓበሬታ እናዘርግሐ ምስሊ ኤርትራ የጸልም ምህላዉ ነቒፉ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብኸምዚ እንተቐጺሉ ድማ እቲ ወኪል ካብ ኤርትራ ክስጎግ ምዃኑ ኣፈራሪሑ።

ወኪል UNHCR ኣብ ኤርትራ ብወገኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ነቐፌታ ጄነቫ ናብ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ከብጽሕ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ እቲ ትካል ስደተኛታት ኣብ ሰኣዊ ውልቅላ ስደተኛታት ዘተኩር ደኣ’ምበር ዝኾነ ፖለቲካዊ ዕላማ ስለዘይብሉ፣ ንኤርትራ ንምጽላም ዝሰርሓሉ ምኽንያት ከምዘየለ ምርግጋጹ እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ናብ ሬድዮ ኤረና ዝልኣኹ ዲፕሎማስዊ ምንጭታት ገሊጾም።

=============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0