ኣብ ካሌ፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ብዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 24  ስደተኛታት ቆሲሎም

ኣብ ካሌ፣ ኣብ መንጎ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ብዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 24 ስደተኛታት ቆሲሎም

Radio Erena: 01 June 2015

24calais

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ተኣኻኺቦም ዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ብዘካየድዎ ግጭት 24 ስደተኛታት ብከቢድን ፎኵስን ቆሲሎም።

እቲ ናብ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ዝጀመረ ግጭት፣ ብሰንኪ ባርዕ ስደተኛታት ዝሓድርሉ ቴንዳ ከምዝተወልዐ’ውን ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

 

እቲ ኣብ መንጎ 300 ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን በእማን፣ ኣባትር፣ ጠራሙዝን ካራሩን ምሉእ ለይቲ ዝተኻየደ ግጭት፣ ብምትእትታው ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ፈረንሳ’ዩ ሎሚ ረፋድ ሃዲኡ ዘሎ።

ብውሕዱ 16 ስደተኛታት ናብ ሆስፒታል ክውሰዱ እንከለዉ፣ 8 ድማ ቀዳማይ ረዲኤት ተጌርሎም ብኡ ንብኡ ከምዝተፋነዉ ወሃብቲ ህጹጽ ረዴኤት ካብ ከተማ ካሌ ኣፍሊጦም።

ብዘይካ’ዚ’ውን ብዓርቢ 29 ግንቦት ኣብ መንጎ ናብ ብሪጣንያ ዘሰጋግሩን ደላሎን ብዝተላዕለ ባእሲ፣ ሓደ ስደተኛ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ከምዝቖሰለ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ሓቢራ።

ፖሊስ ፈረንሳ ነቲ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሶርያን ዝርከብዎም ኣስታት 2300 ስደተኛታት ሰፊሮምሉ ዘለዉ፣ ብ ‘ጫካ’ ዝፍለጥ ከባቢታት ወደባዊት ከተማ ካሌ ብጽኑዕ ይሕልውዎ ምህላዎም ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊጹ።

ኣብ ካሌ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ተደጋጋሚ እዋን ግጭታት ከምዝውላዕ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ካብ ካሌ ናብ ብሪጣንያ እትሰግር ናብ ዝነበረት ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና እናጎየየ ክስቀል ዝሃቀነ ሓደ ስደተኛ፣ ተረጊጹ ህይወቱ ከምዝሓለፈት ፖሊስ ሓቢሩ።

ዜግነት እቲ ስደተኛ ኣይተሓበረን።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ካሌ ንዝርከቡ ስደተኛታት ብፍላይ ኤርትራውያን ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ንክሓቱ ርሒብ ኣፍደገ ከፊትሎም ከምዘሎ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ ፓሪስ’ውን ኣስታት 400 ዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር፣ ኣብ ትሕቲ ድልድላት መንገዲ ባቡር ይሓድሩ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ዘይሓቱ እንተኾይኖም፣ መንግስቲ ብሓይሊ ከውጽኦም ምዃኑ’ዩ የጠንቕቕ።

=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0