ዋዕላ መንእሰያት ኣብ ስቶክሆልም ተኸፊቱ

ዓለም ለኸ ዋዕላ መንእሰያት ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ‘’ስጡም  ስምረት ንሓድሽ ሓርነት’’ ዝብል ቴማ  ብ24 ነሓሰ ኣብ ስቶክሆልም ከምዝተኸፍተ ልኡኽ ሬድዮ ኤረና ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።
ኣብዚ ዋዕላ ካብተን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከባ ማሕበራት መንእሰያት ዝወከሉ   ክሳተፉ ኣብ ልዕሊ ምምጽኦም መራሕቲ ዝተፈላለያ ፖለቲካዉያን ውዱባት፡ሲቪካውያን ማሕበራት ከምኡ ውን ዓበይቲ ዓድን ገለ መራሕቲ ሃይማኖትን ተረኺቦም ከምዝነበሩ ልኡኽና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣብ መኽፈቲ’ቲ መደብ ኣባል ኣወሃሃዲት ኮሚቴ ናይቲ ዋዕላ ፎዝያ መሓመድ ሓሰን ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፣ መንእሰይ ደላይ ለውጢ’ዩ ዝበሃል፣ ግን እቲ እንደልዮ ለውጢ ንኸይነረጋግጾ ሓሊኹ ሒዙና ዝጸንሐን ዘሎን ’’ኣርሒቑ ዝሓስብን ፡ሓድነት ማእከሉ ዝገበረ ሃገር ዘቐድምን ዘደልድልን ውደባ ከነጥሪ ዘይምብቃዕና እዩ’’ ብምባል ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ ፍልልያቱ ኣወጊዱ ክሓብር ጸዊዓ።
ኣቦ መንበር ናይታ ነዚ ዋዕላ ዘወሃሃደት ኮሚተ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ መንእሰይ መሓሪ ኪዳነ ብወገኑ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ሕጂ ኣጋጢምዎ ዘሎ ብድሆታት ሓራ ክወጽእ እንተኾይኑ ብቅኑዕ ንስለ ለውጢ ሃቐና ፡ብሓቅኛ ናይ ቃልሲ ወኒ፡ብተባዕ ናይ ምቅላስ መንፈስ፡ብንጹህ ናይ ሕልና ሞራል፡ብሓያል ናይ ሓድነት እምነት ሃገርና ናብ ንቡር ጉዕዞ ፍትሒ፣ሰላምን ብልጽግና ክንመርሓ እንተ ሰሪሕና ክንዕወት ኢና፣ ብምባል መደረ ኣስሚዑ።
ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ኣጋጣሚ ኣስታት 400 ዝኾኑ ተሳተፍቲ ክርከቡ እንከለዉ፣ ናይ ሕቶን ርእይቶን ግዜ’ውን ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።  
እዚ ዋዕላ ክሳብ ሰምበት ንሳልስቲ ዝጸንሕ ከም ዝኾነን ኣብ መደባቱ ድማ ዝተፈላለዩ ዉልቀሰባት መደረ ከስምዑ ተዓዲሞም ከም ዘለዉ ካብቲ ዝተዘርግሐ መደብ ምርዳእ ይከኣል።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0