Charlie Hebdo ኣብ ጎደና ሓርነት

Charlie Hebdo ኣብ ጎደና ሓርነት

Radio Erena: 14 January 2015

Report by Amanuel Ghirmai Bahta

Je sui

     ኢራናዊ ኪያኑሽ ራምዛኒ፣ ካፈቴክ ኣብ ዝተባህለ ሰኣልትን ካርቱኒስትን ኣብ ዘዘውትርዎ ማእከል ፓሪስ ዝርከብ ቤት ሻሂ ኣጋይሽ ክቕበል ጸንሓና። ሓደ ካብቶም ዕዱማት ስለዝነበርኩ’ውን ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጥ ናብ ውሽጢ እቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ቡን ዝሽየጠሉ ቤት ሻሂ ድሕሪ ምእታው መቓምጦይ ሓዝኩ። ኣብቲ ናይ ዕድመ ቦታ በይነይ ኣይነበርኩን። ኣብ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ልዑል ተገዳስነት ዘለዋ ፈረንሳዊት ጠበቓ ፕሪስካ ኦርሶኖ’ውን ኣብ ጎነይ’ያ ዘላ።መናድቕ ናይቲ ቤት ሻሂ፣ ብኣሳእል ካርቱን መሊኡ’ዩ። ገሊኦም ዘስሕቑ ዝተጋነነ ገጽ ዘለዎም ገሊኦም ከእ ንጹር መልእኽቲ ዝሓዙ’ዮም።

     ካርቱኒስት ኪያኑሽ ራምዛኒ፣ ንላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኣያቱላህ ኻሜናኢን ካልኦትን ኣብ ካርቱን ብምስኣል ሓጩጭካሎም ተባሂሉ ብኣባላት ስለያ እታ ሃገር ስለዝተደልየ’ዩ ዶብ ሰጊሩ ናብ ቱርኪ ኣትዩ። ካብ ቱርኪ ኸኣ መንግስቲ ፈረንሳ ብዝሃቦ ዑቕባ ናብ ፓሪስ መጺኡ።  

 

     ኣብ ፓሪስ፣ ካበየ ኩርንዓት ዓለም ሃዲሞም ዑቕባ ዝተዋህቡ ጋዜጠኛታት ብፍሉይ ዝነብርሉ፣ Maison Des Journalistes ዝተባህለ ናይ ጋዜጠኛታት መንበሪ ቤት ኣሎ። ኣብ ሓደ እዋን ክሳብ 15 ጋዜጠኛታት እናዕቆበ ከኣ እግሪ ተኺሎም ናብርኦም ክሳብ ዝጅምሩ ናይ መንበሪ ቤት፣ መግብን መጓዓዝያን ኣገልግሎታት ብናጻ እናሃበ ኣድላዩ ሓገዝ የበርክት። 

     ናይ ፈለማ ሌላይ ምስ ኢራናዊ ካርቱኒስት ኪያኑሽ ራምዛኒ ኣብዚ ቤት እዚ ነበረ። ኣብቲ ብምምሕዳር ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝተዋህበ፣ ዝተሰዱ ጋዜጠኛታት ጥራይ ዝነብርሉ ቤት፣ ንኪያኑሽ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ሶርያ፣ ካብ ፓኪስታን፣ ኣፍጋኒስታን፣ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ብመንግስቲ ፈረንሳ ዑቕባ ዝተዋህቦም ጋዜጠኛታት ዝምድና ከጥሪ ክኢለ’የ። ጎኒ ጎኒ’ቲ ዝተመስረተ ዝምድና ኸኣ ዝተፈላለየ ተሞክሮ።

     ኪያኑሽ፣ ነቲ ድሕሪ ስደቱ ዘዳለዎ ካርቱን ኣብ ፓሪስ ዝመደበሮም ሓያሎ ጋዜጠኛታት፣ ጸሓፍትን ካርቱኒስትን ምስዚ ዓውድታት እዚ ዝግደሱ ውልቀሰባትን ብምዕዳም’ዩ ኣብ ቤት ሻሂ ካፈቴክ ንምርኢት ኣቕሪብዎ። እቲ ሓሳብ ዋና’ታ ካፈ ንቤታ ዝያዳ ምልላይ ትገብረሉን ዝተፈላለየ ቡን ከኣ ትሸይጥን፣ ኪያኑሽ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ ዕግበቱ ዝኾነ ካርቱን ንምርኢት ከቐረበሉን’ዩ። ከም ሓሳቡ’ውን ተዓዊቱ’ዩ። ልዕሊ 100 ዝኾኑ ዕዱማት፣ ንካርቱናቱ ዘለዎም ኣኣድናቖት ዝገልጽ ርእይቶ ኣብ መዝገብ ኣስፊሮምሉ። ጎኒ ጎኑ ኸኣ ናይ ብራዚል ናይ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ቡን እናመረጹ ከስተማቕሩ ክኢሎም’ዮም። ፈረንሳውያንን ቡንን መካይድቲ’ዮም። ዋላ’ኳ ከም ኤርትራውያን ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ዝምጠጥ ግዜ እንተዘየባኸኑሉ።

     ኣብዚ ኣብ ካፈቴክ ዝጠኻየደ ናይ ካርቱን ምርኢት፣ ማና ዝተባህለ ብመንግስቲ ኢራን ብዝልዓለ ካብ ዝህደኑ ካልእ ካርቱኒስትን ኣብ 7 ጥሪ 2015 ኣብ ፓሪስ ብሽበራውያን ዝተቐትለ ሻርብ ዝተባህለ ፈረንሳዊ ካርቱኒስትን ምስ ካልኦት ህቡባት ሰኣልትን ናይ ኢድ ሰላምታ ክለዋወጥ ዕድል ረኺበ’የ። ሻርብ ካብ ሓደ ናይ ቀረባ የዕሩኽ ኢራናዊ ኪያኑሽ ራምዛኒ’ዩ። ድሕሪ ቅትለት ሻርብ፣ ኪያኑሽ ምስ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ’ውን ተደጋጋሚ እዋን ከምዘተንቐቖን፣ ሻርብ ግና “ፓሪስ ከም ቴህራን ኣይኮነትን” ክብል ይምልሰሉ ምንባሩን ክምስክር ሰሚዐ’ዮ።

Char

     ድሕሪ’ዚ ኣብ ፓሪስ ዘጋጠመ ንካርቱኒስት ዒላማ ዝገበረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ደሃይ ኪያኑሽ ንምጥያቕ መልእኽቲ ጽሒፈሉ። ዋላ’ውን እቲ ዝኸበደ እንተመጸ፣ ካርቱን ምስኣል ከምዘየቛርጾ ኣረጋጊጹለይ።

     ንሓያሎ ናይ ፈረንሳ ጋዜጣታት ካርቱን እናሳኣለ’ዩ ዝናበር ኢራናዊ ኪያኑሽ ራምዛኒ።

     ኣበርክቶ ካርቱን ኣብ ሜድያ ሓያል ጽልዋ ከምዘለዎ ኣብ ኤርትራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝነበራሉ እዋን ዘርከብክሙሉ ትርስዕዎ ኢኹም ኣይብልን’የ። ብፍላይ እኳ እብ መንጎ እታ ምስ መንግስቲ ዝወገነት ብሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ(ሃማመተኤ) እትውነን ዝነበረት ትርግታን ብዋና ኣሰናዳኢ ሚልክያስ ምሕረትኣብ እትእለ ዝነበረት ቀስተ ደበናን ዝነበረ ናይ ካርቱን ምትህልላኽ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

     ንጋዜጣ ትርግታ ካርቱን ዘዳሉ ዝነበረ ህቡብ ኤርትራዊ ካርቱኒስት ኮብራ ምስ ዋና ኣሰናዳኢ ቀስተ ደበና ሚልክያስ ምሕረትኣብ፣ ክሳብ ናብ ውልቃዊ ዝወረደ ብካርቱን ናይ ምጽርራፍ ደረጃ ዝበጽሕሉ ግዜ’ውን ኔሩ’ዩ።
ካርቱን ብዝተጋገነ ኣሳእልን ሒደት ቃላታን ምሉእ ሓሳባት ናይ ምግላጽ ዓቕሚ ዘለዎ ምዃኑ፣ ኣብ ኤክስፖ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ፌስቲቫል፣ ነቲ ፍጻሜ ብምዕዛብ ብኡ ንብኡ ኣብ ዝዳሎ ዝነበረ ናይ ካርቱን ምርኢታት ተዓዋቲ ዝኾነ ብሩኖ፣ ንሬድዮ ዛራ ወኪለ ኣብ ዘካየድክሉ ቃለ መጠይቕ ክገልጸለይ ኣይርስዖን።

     ኣብ ፓሪስ፣ ወትሩ ንግሆ ብባቡር ኣብ ዝጓዓዘሉ’ውን ኣብ ኣፍደገ እቲ ፎሮቭያታት ብናጻ ዝዕደል መጽሔታትን ጋዜጣታትን ካብቲ ነዋሕቲ ትሕዝቶታቱ እቲ ካርቱናት’ዩ ዝምስጠኒ። ንመራሕቲ ፈረንሳ፣ ንገሊኦም ኣፍንጭኦም ክንዲ መስጊድ ሶማል፣ ንገሊኦም የዒንቶም ክንዲ ቀላይ ማይ ኣንበሳ፣ ንገሊኦም፣ ኣራእሶም ክንዲ ጎቦ ክራማ ንገሊኦም ከኣ ኣእዛኖም ክንዲ ሰተታ ኣደይ ማርታ እናጋነኑ ከቕርብዎም ምርኣይ ኣመና’ዩ ዘዘናግዓኒ። ግደ ሓቒ ፈረንሳውያን ኣፍንጭኦም ከይተጋነነ’ውን ክንዲ’ታ ኣብ ኣኽርያ ዝውትርቲ ዝኾነት መስጊድ ሶማል ዝኸውን ንውሓት ይህልዎ’ዩ።

     ኣብ ኤርትራ ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽ እንተዝህሉ እሞ፣ ኤርትራውያን ካርቱኒስት ኮብራ፣ ኣባሓጎይ፣ ቡሩኖን ካልኦት ከኣ ብናጽነት ናይ ምስኣል ዕድል እንተዝህልዎም፣ ንመራሕትና ከመይ መቕረብዎም? ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ካርቱን ከመይ ክመስል ምኽኣለ? ጀነራል ስብሓት ከ…? ብናይ ገዛእ ርእሰይ ህውተታ ዝበጻሕክዎ’ዩ።

CarIk

     ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ‘ካ’ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብፈረንሳዊት ጠበቓ ፕሪስካ ኦርሳኖ ኣብ 2012 ብሕጋዊ መልክዕ ኣብ ዝቐረበ ንኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝምልከት ጉዳይ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ንዝቀረበ ዝተፈላለየ ጉዳያት ብካርቱን ዝስእል ዝነበረ ፈርንሳዊ፣ ንኤርትራ ዝምልከት ካርቱናት ምቕራቡ’ውን ኣብቲ ኣዳራሽ ዝተረኸብና ሓሙሽተ ኤርትራውያን መሰኻክር ኢና።

     ሓንቲ ካብተን ካርቱናት፣ ሽወደን ኣብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እትኽተሎ ዘላ ሰንኮፍ መርገጺ እትወቕስ’ያ።

     “ናይ ሽወደን ዜግነት ዘለዎ ዳዊት ኢሳቕ እንተዘይፈቲሑ ኣብ ኣስመራ ኢ.ኪ.ኣ(IKEA) ኣይንኸፍትን ኢና።” ድማ’ያ ትብል።

     ኢ.ኪ.ኣ ኣብ ሽወደን ዝመደበሩን ኣብ ኩሉን ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ጨናፍር ዘለዎን ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት መፍረ ኣቑሑ ዕንጸይትን ሓጺንን’ዩ። ፈረንሳዊ ካርቱኒስት፣ ዳዊት ኢሳቕ ኣንተዘይተፈቲሑ ነዚ ትካል ኣብ ኣስመራ ኣንኸፍቶን ኢና ዝብል ካርቱን ምስኣሉ፣ ነቲ ሽወደን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እትኽተሎ ዘላ ኣብ ግብሪ ዘይሰርሕ ኣካይዳ ንምንቓፍ ዝዓለም’ዩ።

     ፈረንሳውያን፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ካርቱኒስት ናይታ ብሻርሊ ኤብዶ እትፍለጥ ወትሩ ሮቡዕ እትሕተም ሰሙናዊት ጋዜጣ ዝተፈጸመ ቅትለት፣ መጥቃዕቲ ኣንጻር ናጽነት ፕረስ’ዩ ክብሉ’ዮም ኮኒኖሞ።

     ሻርሊ ኤብዶ (Charlie Hebdo) ከም ጋዜጣ ፍጥር ከይበለት ክዕምጽጹዋ ምስ ዝፈተኑ ሓይልታት እናተጓነጸት’ያ ምንባር ጀሚራ። ዋላ’ውን ድሕሪ’ቲ ዝበዝሑ ኣባላታ ዝተቀትልሉ ፍጻሜ፣ ኣብ ሰሙና ሎሚ ሮቡዕ’ውን ክትሕተም ክኢላ ኣላ። እኳ ደኣ ብሓያል ናህርን ልዑል ተቐባልነትን።

     ጋዜጣ ሻርሊ ኤብዶ፣ ኣብ 1960ታት ፈለማ ሃራ ኪሪ (Hara Kiri) ብዝብል ስም’ያ ተበጊሳ። ነቲ ፈረንሳውያን ከም ኣቦ ናይታ ድሕሪ ሓሙሽተ ተኸታታሊ ሰውራታት ዝመጸት ሪፖብሊካዊት ፈረንሳ ዝርእይዎ ሻርል ደ ጎል ዝነቕፍ ዝተጋነነ ካርቱን ስለዘቕረበት ከምእትሰናከልን ብኡ ኣቢላ ከኣ ደው ከምእትብል ኮይና። እንተኾነ ካብ ሕሉፍ ጸገማውያን ምዃኑ ዝንገረሉ ሓደ ካብ ኣውራ ኣካይድቲ ናይታ ጋዜጣ ዝነበረ ሻርሊ ብራውን፣ ብስሙ ሓድሽ ፍቓድ ብምውጻእ ሻርሊ ኤብዶ ማለት ሰሙናዊ ሻርሊ ብዝብል ሓድሽ ኣርእስቲ ኣብ መጀመርያ 1970ታት ከምእትቕጽል ጌሩ።

     ሻርሊ ኤብዶ ብፍቕሪ ካርቱን ብዝዓበዱ፣ ካብ ገንዘብ ንላዕሊ ኣብ ሕብረተሰብ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ብዘገድሶም ውፉያት ካርቱኒስት ጥራይ ትቕጽል ብምንባራ ግና ኣብ 10 ዓመታ ብሰንኪ ስእነት ባጀት ደው ኢላ።

     ዘበግሱዋ ግዱሳት ስለዝተረኽቡ እንደገና ኣብ 1992 ዳግም ተቀላቒላ። ክሳብ 2011 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኸኣ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ጸለውቲ ውልቀሰባትን ብዝተጋነነን ጭርቓን ብዝተሓወሶ መንገድን ብካርቱን እናሰኣለት ሰለይ ክትብል ጸኒሓ።

     እቲ ዓመት’ቲ ንእስላማዊ ዓለም ዘቖጠዐ ናይ መሓመድ ካርቱን ኣብ ደንማርክ ብእትርከብ ጋዜጣ ዝተዘርግሓሉ’ዩ። ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ካርቱኒስ ኸኣ፣ ኣብታ ብናጽነት ፕረስ ሕብንቲ ዝኾነት ፈረንሳ ዝርከቡ ኣመንቲ ምስልምናን መንግስቲ እታ ሃገርን ንዘለዎም ተጻዋርነት ንምፍትታን ኣብ ጋዜጣ ሻርሊ ኤብዶ ብዝተጋነነን ዝተመሓየሸን መልክዕ ኣቕሮቦሞ።

     መንግስቲ ፈረንሳ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ’ዩ እኳ እንተበለ፣ በታ ጋዜጣ ተበዲለ’የ ዝበለ ዝኾነ ፈረንሳዊ ክሲ ክምስርት መሰሉ ምዃኑ ብምርግጋጽ ነቲ ጉዳይ ክዓጽዎ ፈቲኑ። ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ጥሩፋት እስላማውያን ግና፣ ካብ ሕግን ስርዓትን ብጎነጽ ስጉምቲ ንምውሳድ፣ ንቤት ጽሕፈት ናይ ሻርሊ ኤብዶ ንምቕጻሉ ተበግሶ ወሲዶም። እዚ ተበግሶ እዚ ኸኣ ነታ ጋዜጣ ናህሪ ወሲኹላ ክሳብ ጥሪ 2015 ክትምርሽ ኣኽኢሉዋ።

charlH

     ኣሰናዳእቲ ጋዜጣ ሻርሊ ኤብዶ፣ እታ ጋዜጣ ከቢድ ናይ ባጀት ዋሕዲ ኣጋጢሙዋ ከምዘሎን ክትዕጾ ከምእትኽእልን ኣብ ዝገልጽሉ ዝነበሩ ጸብጻብ ሓድሽ ዓመት ከኣ፣ ንህላዌኣ ዘረጋግጽ ፍጻሜ ተኸሲቱ። እንሆ ኸኣ ናይ ሎሚ ሮቡዕ መበል 1178 ሕታማ ኣብ ታሪኽ መሸጣ ጋዜጣታት ፈረንሳ ክብረ ወሰን ዝሰበረ፣ ኣብ ሒደት ሰዓታት 3 ሚልዮን ቅድሓት ኣብ ኢድ ኣንበብቲ ከተብጽሕ ክኢላ።

     ወትሩ ሮቡዕ ሻርሊ ኤብዶ እትርዝግሓሉን ኣዳላውታ ከኣ ንዝመጽእ ሕታም ንምድላው ኣኼባ ዘካይድሉን መዓልቲ’ዩ። ኣብ ሓንቲ ካብ መዓልታት ሮቡዕ ኸኣ ኣብ ልደት 7 ጥሪ 2015፣ 10 ካብ ኣባላታ ዝቐተለ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተኻይዱ። እቲ ዝገርም መበገሲ እቲ መጥቃዕቲ ንዝኾነ ናይ መሓመድ ካርቱን ዝሰኣለ ካርቱኒስት ኣብቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ስለዘይነበረ ብህይወት ምድሓኑ’ዩ።

     ብዓውዲ ሕጨጫ (ካሪካቹር)፣ ፍልስፍና፣ ድራማ፣ ስነ-ግጥምን ሕግን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ ፈረንሳ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ጋዜጠኛታት ዝተፈጸመ ቅትለት ከም ወራር ንሉኡላውነቱ፣ ምህሳስ ክብሩ፣ ምድምሳስ መንነቱ ስለዝርኣዮ፣ ንምኹናኑ ብሓባር ናብ ጎደናታት’ዩ ተጓዩዩ።

      ኣብ ማእከል ፓሪስ ዝርከብ ሪፖብሊክ ዝተባህለ ቦታ፣ ነታ ብተኸታታሊ ሰውራታት ብዙሕ ሓርጎጽጎጽ ሰጊራ ዝመጸት ሪፖብሊካዊት ፈረንሳ ዓቢ ኣገዳስነት’ዩ ዘለዎ። ህዝባዊ ኣኼባታትን ሰልፍታትን ኣብዚ ቦታ’ዚ’ዩ ዝውደብ። ካብዚ ብዝነቐለ ጸጋማውያን ጸሓፍቲ፣ ጋዜጠኛታት፣ ገጠምትን ፖለቲከኛታትን ካብዚ ቦታ’ዚ ኣይጠፍኡን’ዮም። ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ኣብያተ ሻህን ባራትን ንየማናውያንን ብርዡዋታትን ዝኸውን መናብር የብለንን። ጉዕሽ ቢራ ምስ ጽሟቕ ለሚን(Un demi citron) ወይ ከኣ ሓፊስ ቡን ብብዝሒ ዝእዘዞ ቦታ’ዩ- ሪፖብሊክ። ህዝቢ ተጸቓቒጡ፣ ካብ ማዕዶ ናብ ማዕዶ እናዕለለ ዘውክዓሉ ባራት መሊኡ’ዩ።

     ኣርማ ወግዓዊ ማሕተም ሪፖብሊካዊት ፈረንሳ ክትከውን ዝተመርጸት ‘ማሪ-ኣን’ ዝተባህለት ሰበይቱ’ውን ግዙፍ ሓወልታ ኣብዚ ቦታ’ዚ’ዩ ዝርከብ።

     ድሕሪ’ዚ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ሻርሊ ኤብዶ ዝተፈጸም ቅትለት’ውን፣ ፈረንሳውያን ናብዚ ቦታ’ዚ ውሒዞም። ኣብ ሰንበት 11 ጥሪ ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝተወደበ ናይ ሓድነት ሰልፊ ከኣ ካብዚ ቦታ’ዚ ክንቕል ተመሪጹ።

     ልዕሊ 40 ዝኾኑ መራሕቲ ሃገራት፣ መራሕቲ ፖለቲካውያን ሰልፍታት፣ ውድባት፣ ዞባውያን ኣህጉራውያን ማሕበራት፣ ኣሽሓት ጋዜጠኛታትን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝግመት ህዝብን ከኣ ኣብ ሪፖብሊክን ከባቢኣን ተኣኻኺቡ።

     ኣብ ናጽነት ፕረስን ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ከም ዝኣምን መጠን፣ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ወረቀት ዝተጻሕፈት ‘ንሕና ኩልና ሻርሊ ኢና” እትብል ጽሕፍቲ ኣንጠልጢለ ነዚ ልዕሊ ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ክጽንበሮ’የ መሪጸ።

     ጭሩ ብዓቕማ ትሕጎም’ዩ እሞ ብዓቕመይ ድምጸይ ከስምዕን ንናጽነት ፕረስ ዘሎኒ ደገፍ ክገልጽን ኣብ ማእከል እቲ ንሪፖብሊክን ናስዮን ዝተባህለ ቦታን ዘራኽ ጎደና ቮልቴር ተረኺበ ኣለኹ።

     የማነይ ጸጋመይ ብህዝቢ ዝተተቕጠቐ ብምዃኑ ርሑቕ ምዕዛብ ኣይከኣልኩንጅ። ኣብቲ ጎደናታት ኣብ ዝርከብ ህንጻታት፣ ካብ መንበሪ ቤቶም ብመሳኹቲ ተቐልቂሎም ደገፎም ዝገልጹ ዝነበሩ ፈረንሳውያን’ውን ማእለያ ኣይነበሮምን።

     ካብዞም ብመሳኹቲ ተቐልቂሎም ደገፎም ዝገልጹ ዝነበሩ ኣሽሓት ሰባት፣ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ቀልበይ ሰሓበት። ኣብቲ ተቐልቂላትሉ ዝነበረት መስኮት Liberté d’expression! ኣንጠልጢላትሉ’ያ።

Adey

     ከመ ቕጽበት ኣእምሮይ ናብ ጎደና ሓርነት ተጓዕዘ። ካብ ሪፖብሊክ ክሳብ ናስዮን ኣብ ዘሎ ክልተ ኪሎሜተር ዝኸውን ርሕቐት ዝሸፈነ ጎደና ቮልቴር፣ ምስቲ ካብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ክሳብ ሲቲ ፓርክ ወለል ኢሉ ንዘሎ ጎደና ሓርነት ተመሳሰኒ። ሻርሊ ኤብዶን ጋዜጣታት ሰቲት፣ መቃልሕ፣ ጽጌናይ፣ ቀስተ ደበና፣ ኣድማስን ዊንታናን ኣሓት መሰላኒ። ተጸዋዊርካ ምንባር ዘይተለማመዱ ጸላእቲ ዘለውወን ኣሓት።

     ኣብ ጎደና ሓርነት ካብ ዘሎ ህንጻታት፣ ዒላም ዝወብኣ፣ ተሓኒነን ኣልባሶ ዝተቖነና ግርምቲ ኣደ ተቐልቒለን፣ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰልና ይተሓሎ! ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ይፈትሑ! ዝብል ጽሑፍ ኣንጠልጢለን በእምሮይ ቀረጽኩወን። ህዝቢ ከተማ ኣስመራ፣ ሰራሕተኛታትን ተማሃሮን Seyoum is my Brother! OneDaySeyoum! ዝተጻሕፎ ታቤላታት ኣንጠልጢሎም ንጎደና ሓርነት ቅጽጽ ክብልዎ ረኣኹ። ኣሳእል ስዮም ጸሃየ፣ ዳዊት ሃብተሚካኤል፣ ኣማኑኤል ኣስራት፣ ዳዊት ኢሳቕ፣ ተመስገን ገብረየሱስ፣ ማቲዎስ ሃብትኣብ፣ መሓመድ ስዒድ፣ ፍስሃየ ዮሃንስ (ጆሽዋ)፣ ግርማይ ኣብርሃም፣ ይርጋኣለም ፍስሃ…ወዘተ ዘንተልጠሉ ኣእላፍ ኤርትራውያን ኣብ ኩለን ከተማታት ኤርትራ ክውሕዙ ክዉን ኮይኑ ይስምዓኒ ኣሎ።

     ናይ ኤርትራ ሻርሊ ኤብዶታት’ውን ዳግም ክውለዳ ኣብ ሕምብርቲ ፓሪስ፣ ሪፖብሊክ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ጎደና ቮልቴር ምስ ሚልዮናት ደገፍቲ ናጽነት ፕረስ ኮይነ ኣብ ዘካይዶ ዘለኹ ጉዕዞ፣ ኣብ ሕልመይ ርኣኽወን።

 

ዕባይ ኣኽርያ
ፓሪስ 13-01-15

==========================  

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0