Welcome to Radio Erena!
ምስ ተቓውሞ ኣኽርያ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣቦ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፎም
Radio Erena: 30 January 2019
ምስቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ተቓውሞ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ፣ ሓጂ ኢብራሂም ዮኑስ ዝተባህሉ ኣቦ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፎም።
እቶም ሓደ ካብ ኣባላት ኮሚቴ ናይታ ኣብ ኣኽርያ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ዝኾኑ ኣቦ፣ ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ሮቡዕ፣ 30 ጥሪ ከምዝዓረፉ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።
ካብ ኤርትራ ሪፈር ዝተባህሉ ኤርትራውያን፣ ኣብ ሆስፒታላት ትግራይ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ይወሃቦም ከምዘሎ ተሓቢሩ
Radio Erena: 30 January 2019
ካብ ኤርትራ፣ ሪፈር ዝተባህሉ ኤርትራውያን ተሓከምቲ፣ ኣብ ሆስፒታላት ትግራይ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ይወሃቦም ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ቴሌቪዥን ድምጺ ወያነ ኣብ ዘመሓለለፈቶ ጸብጻብ፣ ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ርክብ፣ ካብ ኣስመራ፣ ሆስፒታል ሓሊበት ሪፈር ንዝተባህለ ወዳ ሒዛ ዝመጸት ኤርትራዊት ዮርሳሌም በራኺ፣ ኣብ መቐለ፣ ሆስፒታል ዓይደር ኣገልግሎት ትረክብ ከምዘላ ከም ኣብነት ኣቕሪባ።
መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ኣብ ጉዳይ ባድመ ከምዘይተዘራረቡ ተሓቢሩ
Radio Erena: 30 January 2019
መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብዛዕባ'ታ ኣውራ ምኽንያት መወልዒ ኵናት ዝኾነት ባድመ፣ ዝኾነ ዓይነት ዝርርብ ከምዘየካየዱ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶ ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኤርትራ ኣረጋጊጹ።
ኣብዚ እዋን'ዚ፣ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ እትከታተል ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፣ ኣቶ የማነ ገብርኣብን፣ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተመዘዘ ሚኒስተር ሰመረ ርእሶምን ዝርከብዋ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኮሚሽን ቆይማ ከምዘላ ዝሓበረ እቲ ዲፕሎማሰኛ፣ ብወገን ኢትዮጵያ ንዝተላእከ እማመታት፣ ኣጠቓቕማ ወደብ፣ ሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ንብረትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ተተኩር ከምዘላ ኣፍሊጡ።
የመን፣ ኣብ ሽወደን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከይፈርስ ተሰጊኡ
Radio Erena: 30 January 2019
መንግስቲ የመንን ሑቲን፣ ኣብ ጉዳይ ወደብ ሖደይዳ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ከይፈርስ ስግኣት ከምዘሎ ተገሊጹ።
እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሽወደን ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ወደብ ሖደይዳ፣ ኣብ ትሕቲ ተቖጻጻሪ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ክትጸንሕ ዝፈቅድ'ዩ ኔሩ።
ዚምባብዌ፣ ዕዳጋታት ብዶላር ኣመሪካ ክካየድ'ዩ
Radio Erena: 30 January 2019
ብዝቕባበን ቁጠባዊ ቅልውላውን እትሕመስ ዘላ ዚምባብዌ፣ ካብ 1 ለካቲት ጀሚሩ፣ ዕዳጋታት ብዶላር ኣመሪካ ክካየድ ፈቒዳ።
እታ ሃገር፣ ብሰንኪ ዝቕባበ ካብ 2009 ኣትሒዙ ካብ ዕዳጋ ተኣልዩ ንዝጸንሐ ባጤራኣ ንምብርባሩ ካብ 2017 ሓዲሽ ባጤራ ኣሕቲማ እኳ እንተዘርግሐት፣ ካልኣይ ዓመቱ ከይመልኣ'ዩ ዕዳጋ ምጽዋር ስኢኑ።