• Home
  • News_ዜና
      • Back
      • ሃገራዊ ዜና
      • ዜና ወጻኢ
  • Live!
  • ENGLISH
  • عربي
      • Back
      • الأخبار العربية
  • ሰብኣዊ መሰላት
  • Archives
  • About Us
  • መደባት ኤረና
  • Home
  • News_ዜና
    • ሃገራዊ ዜና
    • ዜና ወጻኢ
  • Live!
  • ENGLISH
  • عربي
    • الأخبار العربية
  • ሰብኣዊ መሰላት
  • Archives
  • About Us
  • መደባት ኤረና

Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai
Thursday, February 21, 2019
  • Home

Welcome to Radio Erena!

ምስ ተቓውሞ ኣኽርያ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣቦ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፎም

  • Print
  • Email

Radio Erena: 30 January 2019

ምስቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ተቓውሞ ተማሃሮ ዲያእ ኣል እስላምያ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ፣ ሓጂ ኢብራሂም ዮኑስ ዝተባህሉ ኣቦ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፎም።

እቶም ሓደ ካብ ኣባላት ኮሚቴ ናይታ ኣብ ኣኽርያ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ዝኾኑ ኣቦ፣ ኣብ ሓሙሻይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ሮቡዕ፣ 30 ጥሪ ከምዝዓረፉ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

Read more ...

ካብ ኤርትራ ሪፈር ዝተባህሉ ኤርትራውያን፣ ኣብ ሆስፒታላት ትግራይ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ይወሃቦም ከምዘሎ ተሓቢሩ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 30 January 2019

ካብ ኤርትራ፣ ሪፈር ዝተባህሉ ኤርትራውያን ተሓከምቲ፣ ኣብ ሆስፒታላት ትግራይ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ይወሃቦም ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ቴሌቪዥን ድምጺ ወያነ ኣብ ዘመሓለለፈቶ ጸብጻብ፣ ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ርክብ፣ ካብ ኣስመራ፣ ሆስፒታል ሓሊበት ሪፈር ንዝተባህለ ወዳ ሒዛ ዝመጸት ኤርትራዊት ዮርሳሌም በራኺ፣ ኣብ መቐለ፣ ሆስፒታል ዓይደር ኣገልግሎት ትረክብ ከምዘላ ከም ኣብነት ኣቕሪባ።

Read more ...

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ኣብ ጉዳይ ባድመ ከምዘይተዘራረቡ ተሓቢሩ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 30 January 2019

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብዛዕባ'ታ ኣውራ ምኽንያት መወልዒ ኵናት ዝኾነት ባድመ፣ ዝኾነ ዓይነት ዝርርብ ከምዘየካየዱ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶ ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኤርትራ ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፣ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብ እትከታተል ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፣ ኣቶ የማነ ገብርኣብን፣ ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ዝተመዘዘ ሚኒስተር ሰመረ ርእሶምን ዝርከብዋ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኮሚሽን ቆይማ ከምዘላ ዝሓበረ እቲ ዲፕሎማሰኛ፣ ብወገን ኢትዮጵያ ንዝተላእከ እማመታት፣ ኣጠቓቕማ ወደብ፣ ሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ንብረትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ተተኩር ከምዘላ ኣፍሊጡ።

Read more ...

የመን፣ ኣብ ሽወደን ዝተበጽሐ ስምምዕ ከይፈርስ ተሰጊኡ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 30 January 2019

መንግስቲ የመንን ሑቲን፣ ኣብ ጉዳይ ወደብ ሖደይዳ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ከይፈርስ ስግኣት ከምዘሎ ተገሊጹ።

እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሽወደን ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ወደብ ሖደይዳ፣ ኣብ ትሕቲ ተቖጻጻሪ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ክትጸንሕ ዝፈቅድ'ዩ ኔሩ።

Read more ...

ዚምባብዌ፣ ዕዳጋታት ብዶላር ኣመሪካ ክካየድ'ዩ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 30 January 2019

ብዝቕባበን ቁጠባዊ ቅልውላውን እትሕመስ ዘላ ዚምባብዌ፣ ካብ 1 ለካቲት ጀሚሩ፣ ዕዳጋታት ብዶላር ኣመሪካ ክካየድ ፈቒዳ።

እታ ሃገር፣ ብሰንኪ ዝቕባበ ካብ 2009 ኣትሒዙ ካብ ዕዳጋ ተኣልዩ ንዝጸንሐ ባጤራኣ ንምብርባሩ ካብ 2017 ሓዲሽ ባጤራ ኣሕቲማ እኳ እንተዘርግሐት፣ ካልኣይ ዓመቱ ከይመልኣ'ዩ ዕዳጋ ምጽዋር ስኢኑ።

Read more ...

  1. ፈረንሳ፣ ኣብ ምህናጽ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክትዋሳእ ከምእትኽእል ተገሊጹ
  2. ሱዳን፣ ሰራዊትን ኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን፣ ሓድሕዳዊ ግጭት ኣካይዶም
  3. ፕረዚደንት ነበር ሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ፣ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ከምዝሳተፍ ኣፍሊጡ
  4. ዶብ ኦምሓጀር - ሑመራ፣ ንኢትዮጵያን እንተዘይኮይኑ ንኤርትራውያን ዕጹው ከምዘሎ ተሓቢሩ

Page 11 of 847

  • Start
  • Prev
  • 6
  • 7
  • 8
  • 9
  • 10
  • 11
  • 12
  • 13
  • 14
  • 15
  • Next
  • End

Inside Erena

  • ሰብኣዊ መሰላት
  • ፍጻሜታት
  • መዛግብ
  • ደብዳበታት
  • ጽሑፋት

Most read content

  • ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና
  • መ.ኤርትራ ብሕቡእ ዘሕተሞ ባጤራ ናቕፋ ናብ ዕዳጋ ይዝርግሕ
  • ኣብ ከባቢ 27ን 29ን ሓምለ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ደሃይ ኣጥፊኣ ዝጸንሐት ጃልባ ከምዝጠሓለት ተረጋጊጹ፣ 155 ኤርትራውያን ድማ ግዳያት እቲ ሓደጋ ኮይኖም ኣለዉ
  • ስዊዘርላንድ፣ ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ንዝጸንሑ ሸውዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ዑቕባ መሰሎም ኣሕዲጋ
  • ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም ብዝርከቡ ህቡባት ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ዝተዳለወት ሓዳስ ፊልም ንምርኢት ክትቀርብ’ያ

ናጻ መድርኽ

  • ፖለቲካዊያን ውድባት
  • በርጌሳዊያን ማሕበራት
  • ናጻ መድርኽ

Links

  • adoulis
  • allsaho
  • alnahda
  • arkokabay
  • asmarino
  • asena
Back to top