Welcome to Radio Erena!
መ.ንግስቲ ኤርትራ ብምስጢር ምስ መ. እስራኤል ዝርርብ ይቕጽል
ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ 11 ሚኒስተራት ጥራይ ተሳቲፎም
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ግጥማት ሴካፋ ክትሳተፍ'ያ
ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያውያን ወትሃደራት፣ ምስ ተቓወምቲ ክጽንበሩ ይግደዱ
ቀ. ሚኒስተር ቐጠር ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሽምግል ተኽሎ'ሎ ተባሂሉ
ንኣርባዕተ ዓመታት ተበቲኹ ዝጸንሐ ዝምድና ኢትዮጵያን ቐጠርን ናብ ንቡር ድሕሪ ምምላሱ፣ ቐጠር ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘሎ ዘይተፈትሐ ጉዳያት ንምሽምጋል ተበግሶ ክትወስድ ተኽእሎ ምህላዉ ዲፕሎማሰኛታት ይእምቱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር ሸሕ ሓማድ ቢን ጃሲም ቢን ጃቡር ኣልታኒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ብምክያድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ተራኺቡ ብዛዕባ ክልትኣዊ ዝምድናን ጉዳያት ጎረባብቲ ሃገራትን ኣተኵሮም ከምእተዘራረቡ ማዕከናት ዜና ጠቒሰን’የን።