Welcome to Radio Erena!
ኤርትራውያን ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዝጀመርዎ ሰለማዊ ሰልፊ ንራብዓይ መዓልቱ ቀጺሉ
Radio Erena: January 10, 2014
ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ነቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ሰለማዊ ሰልፊ ንምድጋፍ፣ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ ወገናቶም ኣብ ኤምባሲታት ኤስራኤል ተመሳሳሊ ሰለማዊ ሰልፍታት ክውድቡ ተማሕጺኖም።
እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ኤርትራውያን፣ ነቲ ቅድሚ ሳልስቲ ስራሕ ደው ብምባል ዝጀመርዎ ሰለማዊ ሰልፊ ናብ ራብዓይ መዓልቱ ተሰጋጊሩ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ኣብዚ ትማሊ ዝተኻየደ ሰልፊ’ውን ካብቲ ኣብ ናይ መጀመራይ መዓልታት ዘውሕድ ህዝቢ ከምዝተረኽበ ገሊጾም።
African Migrants Protest in Israel Enters 4th Day
Radio Erena: January 9, 2014
In Israel, several thousand African migrants demonstrated Wednesday for a fourth day against a new law that allows authorities to detain indefinitely those without valid visas. The migrants say they are political refugees -- but the government insists they are economic migrants.
The Migrants chanted that they are not criminals but rather refugees, as they gathered in front of the protested the Israeli Knesset.
ኣብ እስራኤል ዝጸንሑ 10ታት ኤርትራውያን ናብ ሽወደን ከምዝተጣየሱ መንግስቲ 'ታ ሃገር ገሊጹ
Radio Erena: January 9, 2014
ኣብ እስራኤል ዝጸንሑ 10ታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሽወደን ከምዝተጣየሱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ ኣለዋ።
ዮርሳሌም ፖስት ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ መሰረተ፣ እቶም ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ናብ ሽወደን ግዒዞም ዘለዉ 10ታት ኤርትራውያን፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሽወደንን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተበጽሐ ስምምዕ’ዩ።
ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን 124 ስደተኛታትት ካብ ናይ ናይ ምስግጋርን ምሻጥን መስርሕ ከምዘድሓኑ ተገሊጹ
Radio Erena: January 8, 2014
ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ከተማ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ስርሒት፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሰባት ካብ ናይ ምስግጋርን ምሻጥን መስርሕ ከምዘድሓኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣመልኪቶም።
መብዛሕቶም እቶም ካብ መሸጣን ምስግጋርን ድሒኖም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ብኤርትራውያን ደላሎን ኣሰጋገርትን ናብ ሲናይን ሰሃራን ንዝርከቡ ዕጡቓት ንምሻጦም ኣብ ንኣሽቱ ገዛውቲ ተታሒዞም ዝጸንሑ ምዃኖም’ዩ ተገሊጹ።
ሱዳን ቪዥን ንምንጭታት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ብምጥቃስ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ተመሳሳሊ ጸብጻብ’ውን 35 ቆልዑ ዝርከብዎም 124 ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ካብ ዘይሕጋውይ ምስግጋርን ምሻትን ማለት Human Trafficking ከምዘድሓነ ኣረጋጊጹ።
ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና፣ እቶም ካብ ምስግጋርን መሸጣን ድሕኖም ዘለዉ 124 ሰባት ኣብ ካርቱም፣ ኡምዱርማንን ሰሓፋን ኣብ ዝርከብ ንኣሽቱ ገዛውቲ ተጨውዮም ከምዝጸንሑ ኣፍሊጡ።
ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ናብ ኢንዶነዥያ መሊሱ
Radio Erena: January 8, 2014
ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 45 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝጸዓነት ጃልባ ናብ ኢንዶነዥያ ከምዝመለሰ ማዕከናት ዜና እቲ ዞባ ኣቃሊሐን።
መንግስቲ ኣውስትራልያ፣ ብባሕሪ ናብታ ሃገር ዝኣቱ ዝኾነ ስደተኛታት ናብቲ ዝመጸሉ ክመልስ ምዃኑ ድሕሪ ዘሕለፎ ሓድሽ ውሳነ፣ ነዞም 45 ስደተኛታት ክመልሶም ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢንዶነዥያ ማርቲ ናታለጋዋ፣ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣውስትራልያ ፖሊስ ብምቅዋም፣ ዘይፍትሓዊ’ዩ ክብል ክነቕፎ እንከሎ፣ መንግስቲ ኣውስራልያ ግና ብዛዕባ እቲ ፖሊስ ይኹን ብዛዕባ ምምላስ እቶም ስደተኛታት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።