• Home
  • News_ዜና
      • Back
      • ሃገራዊ ዜና
      • ዜና ወጻኢ
  • Live!
  • ENGLISH
  • عربي
      • Back
      • الأخبار العربية
  • ሰብኣዊ መሰላት
  • Archives
  • About Us
  • መደባት ኤረና
  • Home
  • News_ዜና
    • ሃገራዊ ዜና
    • ዜና ወጻኢ
  • Live!
  • ENGLISH
  • عربي
    • الأخبار العربية
  • ሰብኣዊ መሰላት
  • Archives
  • About Us
  • መደባት ኤረና

Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai
Thursday, February 21, 2019
  • Home

Welcome to Radio Erena!

መንግስቲ ኮስታሪካ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ቀይዱ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 16 September, 2014

Costarica

መንግስቲ ኮስታሪካ፣ ኣርዕተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ የእትዩ።

እቶም ዝኾነ ሰነድ ዘይነበረኦም ኣርባዕተ ኤርትራውያን ዶባት ሃገራት ላቲን ኣመሪካ እናቖራረጹ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምእታው ዝዓለም'ዮም።

ምስቶም ኤርትራውያን ኣርባዕተ ሶማላውያንን ዘሰጋግሮም ዝነበረ ዜጋት ኮስታሪካን'ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

እቶም ኤርትራውያን ሶማላውያን ጉዳዮም ናብ ክፍሊ ኢምግረሽን እታ ሃገር ክቐርብ እንከሎ፣ እቲ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተኸሰ ዜጋ ፓናማ ግና ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ'ዩ።

Read more ...

ሊብያ ምስ ቀጠርን ሱዳንን ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ምዅና ኣጠንቂቓ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 16 September, 2014

PM libya

ሊብያ ምስ ሱዳንን ቀጠርን ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ።

መንግስቲ ሊብያ ነዚ መጠንቀቕታ ዘቕርብ ዘሎ፣ ሱዳንን ቀጠርን ተሓባቢረን ንተቓወምቲ እታ ሃገር የዕጥቓ ኣለዋ ብዝብል ክሲ'ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ዓብዱላሂ ኣል ቲኒ ብዘዕባ'ዚ ኣመልኪቱ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ቀጠር ነቶም ሓያሎ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ዘለዉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሊብያ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ከምዝገበረትሎም መርትዖ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ ቐጠር ንተቓወምቲ ምድጋፍ እንተቐጺላቶ ከኣ ምስታ ሃገር ዘሎ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ክብተኽ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

Read more ...

ኣብ ሓንቲ ጃልባ ዝተጠርነፉ 15 ኤርትራውያን ኣብ የመን ወደብ ሳሊፍ ድሕሪ ምእታው ዑቕባ ከምዝሓተቱ ተረጋጊጹ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 15 September, 2014

15 Eri

ኣብ ሓንቲ ጃልባ ዝተጠርነፉ 15 ኤርትራውያን ኣብ የመን ወደባዊት ከተማ ሖዴዳ ድሕሪ ምእታዉ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ምንጭታት ዜና የመን ኣረጋጊጾም።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ምዕራባዊ ወደባዊት ከተማ ሖዴዳ ኣብ እትርከብ ገፈፍቲ ዓሳ ዘዘውትርዎ ወደብ ሳሊፍ ዝኣተዉ 15 ኤርትራውያን፣ ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ምዃኖም ምንጭታት ዜና'ኳ እንተገለጹ፣ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ምዃኖም ዘይምዃኖምን ግን ኣየነጸራን።

Read more ...

ካምፓላ ብሰንኪ ስግኣት ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ጽኑዕ ሓለዋን ተፍትሽን ውዒላ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 15 September, 2014

kampala secu

ከተማ ካምፓላ፣ ካብ ስግኣት ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ትማሊ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ጽኑዕ ጸጥታዊ ሓለዋ ከምዝነበረት ተገሊጹ።

ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ካምፓላ ልዑል ጸጥታዊ ሓለዋን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ተፍትሽን ከካይዱ ዝወዓልሉ ምኽንያት፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ተኽእሎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዘሎ ድሕሪ ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ'ዩ።

እቲ ኤምባሲ ኣብ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቱ፣ ኣልሸባብ ኣብ ከተማ ካምፓላ ብፍላይ ኣብ ትካላት ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ከምዘለዎ ስለያዊ ሓበሬታ ከምዝረኸበ'ዩ ዘርግሑ።

Read more ...

ንኢትዮጵያን ወደብ ጅቡትን ዘራኽብ ሓድሽ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ብልዕሊ 196 ሚልዮን ዶላር ክህነጽ ምስ ቻይናዊ ኩባንያ ስምምዕ ተኻይዱ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 15 September, 2014

ethio Dji

ንኢትዮጵያን ጅቡትን ዘራኽብ ሓድሽ ናይ ቅጥራን ጽርግያ፣ ብኣስታት 196 ሚልዮን ዶላር ክህነጽ ስምምዕ ተቢጺሑ።

እቲ ብድሬዳዋ ብቀጥታ ናብ ወደብ ጅቡቲ ዘራኽብ ናይ ቅጥራን ጽርግያ፣ 85 ሚእታዊት ወጻኢታቱ ካብ ናይ ቻይና ባንክ ብዝተረኽበ ልቃሕ ኮይኑ፣ ቻይናዊ ኩብንያ ክህንጾ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ'ዩ ተሓቢሩ።

ብኣዋሽ ናብ ጅቡቲ ዘራኽብ ካልእ መንገዲ እኳ እንተሎ፣ ካብን ናብን ውሽጢ ኢትዮጵያን ወደብ ጅቡትን ንዝመላለስ መካይን ጻዕቒ ስለዘለወን፣ ናይ ትራፊክ ምጭንናቕ ጸገም ክፈጥር ከምዝጸንሐ ይግለጽ።

Read more ...

  1. ኣርተ ዝተባህለ ሓደ ካብ ዓበይቲ መደባርት ቴሌቪዥን ኤውሮጳ፣ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያንን ኣብ ሲናይ ዘጋጥሞም ዘሎ መከራታትን ዘተኮረ መደብ ኣቕሪቡ
  2. ኢዱቴክ ዝተባህለ ኩባንያ ብሪጣንያ፣ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ንዝመወሎ ፕሮጀክት ከምዘታለለ ተገሊጹ
  3. ምስፍሕፋሕ ኢቦላ፣ ስግኣት ይፈጥር
  4. መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ስግረ ዶብ እሱራት ይፈትሕ ምህላዉ ተገሊጹ

Page 695 of 847

  • Start
  • Prev
  • 690
  • 691
  • 692
  • 693
  • 694
  • 695
  • 696
  • 697
  • 698
  • 699
  • Next
  • End

Inside Erena

  • ሰብኣዊ መሰላት
  • ፍጻሜታት
  • መዛግብ
  • ደብዳበታት
  • ጽሑፋት

Most read content

  • ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና
  • መ.ኤርትራ ብሕቡእ ዘሕተሞ ባጤራ ናቕፋ ናብ ዕዳጋ ይዝርግሕ
  • ኣብ ከባቢ 27ን 29ን ሓምለ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ደሃይ ኣጥፊኣ ዝጸንሐት ጃልባ ከምዝጠሓለት ተረጋጊጹ፣ 155 ኤርትራውያን ድማ ግዳያት እቲ ሓደጋ ኮይኖም ኣለዉ
  • ስዊዘርላንድ፣ ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ንዝጸንሑ ሸውዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ዑቕባ መሰሎም ኣሕዲጋ
  • ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም ብዝርከቡ ህቡባት ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ዝተዳለወት ሓዳስ ፊልም ንምርኢት ክትቀርብ’ያ

ናጻ መድርኽ

  • ፖለቲካዊያን ውድባት
  • በርጌሳዊያን ማሕበራት
  • ናጻ መድርኽ

Links

  • adoulis
  • allsaho
  • alnahda
  • arkokabay
  • asmarino
  • asena
Back to top