Welcome to Radio Erena!
መንግስቲ ኮስታሪካ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ቀይዱ
Radio Erena: 16 September, 2014
መንግስቲ ኮስታሪካ፣ ኣርዕተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ የእትዩ።
እቶም ዝኾነ ሰነድ ዘይነበረኦም ኣርባዕተ ኤርትራውያን ዶባት ሃገራት ላቲን ኣመሪካ እናቖራረጹ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምእታው ዝዓለም'ዮም።
ምስቶም ኤርትራውያን ኣርባዕተ ሶማላውያንን ዘሰጋግሮም ዝነበረ ዜጋት ኮስታሪካን'ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
እቶም ኤርትራውያን ሶማላውያን ጉዳዮም ናብ ክፍሊ ኢምግረሽን እታ ሃገር ክቐርብ እንከሎ፣ እቲ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተኸሰ ዜጋ ፓናማ ግና ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ'ዩ።
ሊብያ ምስ ቀጠርን ሱዳንን ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ምዅና ኣጠንቂቓ
Radio Erena: 16 September, 2014
ሊብያ ምስ ሱዳንን ቀጠርን ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ከምእትኽእል ኣጠንቂቓ።
መንግስቲ ሊብያ ነዚ መጠንቀቕታ ዘቕርብ ዘሎ፣ ሱዳንን ቀጠርን ተሓባቢረን ንተቓወምቲ እታ ሃገር የዕጥቓ ኣለዋ ብዝብል ክሲ'ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ዓብዱላሂ ኣል ቲኒ ብዘዕባ'ዚ ኣመልኪቱ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ቀጠር ነቶም ሓያሎ ከባቢታት ተቖጻጺሮም ዘለዉ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሊብያ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ከምዝገበረትሎም መርትዖ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ ቐጠር ንተቓወምቲ ምድጋፍ እንተቐጺላቶ ከኣ ምስታ ሃገር ዘሎ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ክብተኽ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ኣብ ሓንቲ ጃልባ ዝተጠርነፉ 15 ኤርትራውያን ኣብ የመን ወደብ ሳሊፍ ድሕሪ ምእታው ዑቕባ ከምዝሓተቱ ተረጋጊጹ
Radio Erena: 15 September, 2014
ኣብ ሓንቲ ጃልባ ዝተጠርነፉ 15 ኤርትራውያን ኣብ የመን ወደባዊት ከተማ ሖዴዳ ድሕሪ ምእታዉ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ምንጭታት ዜና የመን ኣረጋጊጾም።
እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ምዕራባዊ ወደባዊት ከተማ ሖዴዳ ኣብ እትርከብ ገፈፍቲ ዓሳ ዘዘውትርዎ ወደብ ሳሊፍ ዝኣተዉ 15 ኤርትራውያን፣ ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ምዃኖም ምንጭታት ዜና'ኳ እንተገለጹ፣ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ምዃኖም ዘይምዃኖምን ግን ኣየነጸራን።
ካምፓላ ብሰንኪ ስግኣት ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ጽኑዕ ሓለዋን ተፍትሽን ውዒላ
Radio Erena: 15 September, 2014
ከተማ ካምፓላ፣ ካብ ስግኣት ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ትማሊ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ጽኑዕ ጸጥታዊ ሓለዋ ከምዝነበረት ተገሊጹ።
ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ካምፓላ ልዑል ጸጥታዊ ሓለዋን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ተፍትሽን ከካይዱ ዝወዓልሉ ምኽንያት፣ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ተኽእሎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምዘሎ ድሕሪ ዘመሓላለፎ መጠንቀቕታ'ዩ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቱ፣ ኣልሸባብ ኣብ ከተማ ካምፓላ ብፍላይ ኣብ ትካላት ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ውጥን ከምዘለዎ ስለያዊ ሓበሬታ ከምዝረኸበ'ዩ ዘርግሑ።
ንኢትዮጵያን ወደብ ጅቡትን ዘራኽብ ሓድሽ ናይ ቅጥራን ጽርግያ ብልዕሊ 196 ሚልዮን ዶላር ክህነጽ ምስ ቻይናዊ ኩባንያ ስምምዕ ተኻይዱ
Radio Erena: 15 September, 2014
ንኢትዮጵያን ጅቡትን ዘራኽብ ሓድሽ ናይ ቅጥራን ጽርግያ፣ ብኣስታት 196 ሚልዮን ዶላር ክህነጽ ስምምዕ ተቢጺሑ።
እቲ ብድሬዳዋ ብቀጥታ ናብ ወደብ ጅቡቲ ዘራኽብ ናይ ቅጥራን ጽርግያ፣ 85 ሚእታዊት ወጻኢታቱ ካብ ናይ ቻይና ባንክ ብዝተረኽበ ልቃሕ ኮይኑ፣ ቻይናዊ ኩብንያ ክህንጾ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ምብጽሑ'ዩ ተሓቢሩ።
ብኣዋሽ ናብ ጅቡቲ ዘራኽብ ካልእ መንገዲ እኳ እንተሎ፣ ካብን ናብን ውሽጢ ኢትዮጵያን ወደብ ጅቡትን ንዝመላለስ መካይን ጻዕቒ ስለዘለወን፣ ናይ ትራፊክ ምጭንናቕ ጸገም ክፈጥር ከምዝጸንሐ ይግለጽ።