• Home
  • News_ዜና
      • Back
      • ሃገራዊ ዜና
      • ዜና ወጻኢ
  • Live!
  • ENGLISH
  • عربي
      • Back
      • الأخبار العربية
  • ሰብኣዊ መሰላት
  • Archives
  • About Us
  • መደባት ኤረና
  • Home
  • News_ዜና
    • ሃገራዊ ዜና
    • ዜና ወጻኢ
  • Live!
  • ENGLISH
  • عربي
    • الأخبار العربية
  • ሰብኣዊ መሰላት
  • Archives
  • About Us
  • መደባት ኤረና

Erena on Facebook

SFbBox by web design dubai
Friday, February 22, 2019
  • Home

Welcome to Radio Erena!

ኣብ ኤርትራ ዝዝርጋሕ ዘሎ ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸ ዕሹግ መግብታት ጥዕናዊ ጸገም ይፈጥር

  • Print
  • Email

Radio Erena: 16 December 2014

Asmamark

ኣብ ኤርትራ፣ ዋሕዲ መሰረታዊ መግብታት ኣብ ኣሻቓሊ ደረጃ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸ ከም ዘይትን ጸባን ዝኣመሰለ መግብታት ኣብ ዕዳጋ ይውዕል ብምህላዉ ጥዕናዊ ጸጋምት ይፈጥር ከምዘሎ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ናብ ዕዳጋ ዝቀረብ ዘሎ ዕሹግ መግብታትን ዘይትን ብፍላይ ኣብ ቆልዑ ርኡይ ጥዕናዊ ጸገም ይፈጥር ምህላዉ ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ መንግስቲ ክቆጻጸሮ ብዘይምኽኣሉ ወቒሶም።

ኣብ ዱኳን ሕድሪ ብመንግስቲ ናብ ዕዳጋ ዝቀረብ ዘሎ ብፍላይ ንነዊሕ እዋን ዝተዓቝረ ምዃኑ ብምጥቃስ ብትዕና መዳይ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

Read more ...

ግጥማት ሴካፋ ናይዚ ዓመት እዚ፣ ተእንግዶ ሃገር ብዘይምርካቡ ይስረዝ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 16 December 2014

cecafa

ንግጥማት ሴካፋ እተአንግድ ሃገር ብዘይምህላዋ ናይዚ ዓመት እዚ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ምብራቕ ማእከላይን ኣፍሪቃ ክካየድ ከምዘይክኣለ እቲ ዞባዊ ናይ ኩዕሶ ማሕበር ኣፍሊጡ።

ኤርትራ እትርከበን 12 ሃገራት ሴካፋ፣ ብሰንኪ ጸጥታን ዘለወን ናይ ፊናንስያዊ ዓቕምን ስኽፍታ ነዚ ዞባዊ ግጥም ንምእንጋድ ከምዘይክኣላ'የን ዝጠቕሳ።

ታንዛንያን፣ ኡጋንዳንን ኬንያን ንግጥማት ሴካፋ ተደጋጋሚ እዋን ከምዘካየድኦ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ናይዚ ዓመት እዚ መበል 38 ግጥማት ምብራቕን ማእከላን ኣፍሪቃ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ'ዩ ዝብል ተስፋታት ኔሩ።

Read more ...

መንግስቲ ጁባ ተቓወምቲ ሱዳን ይሕብሕብ ኣሎ ክብል መንግስቲ ካርቱም ወቒሱ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 16 December 2014

Bashsal

መንግስቲ ጁባ ንተቓወምቲ ሱዳን ምድጋፍ ይቕጽሎ ኣሎ ክብል ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ።

እቲ ሚኒስትሪ ንጸብጻብ ክፍሊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነቶም ብስም ሰራውራ ግንባር ሱዳን ዝተኣኻኸቡ ተቓወምቲ ይድግፍን ከምዘሎ መርትዖ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ሰራዊት ሱዳን ነቶም ተቓወምቲ ንምህዳን ክሳብ ውሽጢ ደቡብ ሱዳን እናኣተወ ስርሒት ከካይድ ከምዝኽእል'ውን ኣጠንቒቑ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ብተወሳኺ፣ ጁባ ንተቓወምቲ ሰውራዊ ግንባር ሱዳን ምድጋፋ ነቲ ምስ መንግስቲ ሱዳን ዘለዋ ረብሓ ክትከስሮ ከምእትኽእል ኣሚቱ።

Read more ...

ወኪል ብሪጣንያ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምዝርራብ ኣብ ኣስመራ ቀንዩ፣ ብሪጣንያ ብዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ንመንግስቲ ፈረንሳ ትነቕፍ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 15 December 2014

CalHo

ብሪጣንያን ፈረንሳን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ክረዳድኣ ኣይከኣላን።

ፈረንሳ ነቶም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደብ ካሌ ኣብ ጎደናታት ዝሓድሩ ዘለዉ ኣስታት 1500 ስደተኛታት፣ ካብ ቀዝሕን በረደን ንምድሓኖም ግዝያዊ መዕቖቢ ክትሰርሕ እንከላ፣ ብሪጣንይ በንጻሩ መንግስቲ ፈረንሳ ዶባቱ ክዓጹ ኣይከኣለን እናበለት ትነቕፍ ኣላ።

ኣብ ካሌ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣስታት 1500 ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ብሰንኪ ዘሎ ሓያል ቀዝሒ ካብ ሞትን ካልእ ሓደጋታትን ንምድሓኖም መንግስቲ ፈረንሳ ንዓቢ መኽዘን ናይ ሓደ ፋብሪኻ ናብ ግዝያዊ መዕቆቢ ቀይርዎ ምህላዉ ይግለጽ።

Read more ...

ጅቡቲ ብዘይካ ምስ ኤርትራ ምስኩለን ጎረባብታ ጽቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ

  • Print
  • Email

Radio Erena: 15 December 2014

DJFM

ጅቡቲ ብዘይካ ምስ ኤርትራ ምስ ኩለን ጎረባብታ ጽቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ምስ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ ኣናዶሉ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ዝምድና ጅቡትን ኤርትራን ብሰንኪ ራስ ዱሜራ ካብ 1996 ኣትሒዙ ከምዝሓርፈፈ ብምግላግ፣ ኣብቲ እዋን'ቲ ክልትኤን ሃገራት ናብ ኵናት ኣመሪሐን ከምዝነበራ ኣረዲኡ።

ኣብ 1999 ከኣ መንግስቲ ጅቡቲ ጸግዒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሒዙ ዝብል ወቐሳ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝዝነበረ ዝጠቐሰ እቲ ሚኒስተር፣ ብሰንኩ ከኣ ጅቡቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኣምባሳደራ ብምስሓብምስ ኤርትራ ዝነበራ ዝምድንኣ ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ሓቢሩ።

Read more ...

  1. ድሌት ክልቲኡ ህዝብታት እንተኾይኑ፣ ኢትዮጵያን ጅቡትን ክሓብራ ይኽእላ'የን ክብል ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ኣፍሊጡ
  2. ሚኒስተር ምክልኻል የመን ንኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ኣዘራሪቡ
  3. ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን፣ ሓያሎ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲ ከሰላ ኣቝሲሎም
  4. ክፍሊ ስደተኛታት ደንማርክ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ዝነበሮ ሓሳብ ቀይሩ

Page 662 of 848

  • Start
  • Prev
  • 657
  • 658
  • 659
  • 660
  • 661
  • 662
  • 663
  • 664
  • 665
  • 666
  • Next
  • End

Inside Erena

  • ሰብኣዊ መሰላት
  • ፍጻሜታት
  • መዛግብ
  • ደብዳበታት
  • ጽሑፋት

Most read content

  • ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና
  • መ.ኤርትራ ብሕቡእ ዘሕተሞ ባጤራ ናቕፋ ናብ ዕዳጋ ይዝርግሕ
  • ኣብ ከባቢ 27ን 29ን ሓምለ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ደሃይ ኣጥፊኣ ዝጸንሐት ጃልባ ከምዝጠሓለት ተረጋጊጹ፣ 155 ኤርትራውያን ድማ ግዳያት እቲ ሓደጋ ኮይኖም ኣለዉ
  • ስዊዘርላንድ፣ ናብ ኤርትራ ክመላለሱ ንዝጸንሑ ሸውዓተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ዑቕባ መሰሎም ኣሕዲጋ
  • ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም ብዝርከቡ ህቡባት ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ዝተዳለወት ሓዳስ ፊልም ንምርኢት ክትቀርብ’ያ

ናጻ መድርኽ

  • ፖለቲካዊያን ውድባት
  • በርጌሳዊያን ማሕበራት
  • ናጻ መድርኽ

Links

  • adoulis
  • allsaho
  • alnahda
  • arkokabay
  • asmarino
  • asena
Back to top