Welcome to Radio Erena!
ኣብ ኤርትራ ዝዝርጋሕ ዘሎ ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸ ዕሹግ መግብታት ጥዕናዊ ጸገም ይፈጥር
Radio Erena: 16 December 2014
ኣብ ኤርትራ፣ ዋሕዲ መሰረታዊ መግብታት ኣብ ኣሻቓሊ ደረጃ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብቕዓቱ ዘይተረጋገጸ ከም ዘይትን ጸባን ዝኣመሰለ መግብታት ኣብ ዕዳጋ ይውዕል ብምህላዉ ጥዕናዊ ጸጋምት ይፈጥር ከምዘሎ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።
እቲ ናብ ዕዳጋ ዝቀረብ ዘሎ ዕሹግ መግብታትን ዘይትን ብፍላይ ኣብ ቆልዑ ርኡይ ጥዕናዊ ጸገም ይፈጥር ምህላዉ ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ መንግስቲ ክቆጻጸሮ ብዘይምኽኣሉ ወቒሶም።
ኣብ ዱኳን ሕድሪ ብመንግስቲ ናብ ዕዳጋ ዝቀረብ ዘሎ ብፍላይ ንነዊሕ እዋን ዝተዓቝረ ምዃኑ ብምጥቃስ ብትዕና መዳይ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።
ግጥማት ሴካፋ ናይዚ ዓመት እዚ፣ ተእንግዶ ሃገር ብዘይምርካቡ ይስረዝ
Radio Erena: 16 December 2014
ንግጥማት ሴካፋ እተአንግድ ሃገር ብዘይምህላዋ ናይዚ ዓመት እዚ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ምብራቕ ማእከላይን ኣፍሪቃ ክካየድ ከምዘይክኣለ እቲ ዞባዊ ናይ ኩዕሶ ማሕበር ኣፍሊጡ።
ኤርትራ እትርከበን 12 ሃገራት ሴካፋ፣ ብሰንኪ ጸጥታን ዘለወን ናይ ፊናንስያዊ ዓቕምን ስኽፍታ ነዚ ዞባዊ ግጥም ንምእንጋድ ከምዘይክኣላ'የን ዝጠቕሳ።
ታንዛንያን፣ ኡጋንዳንን ኬንያን ንግጥማት ሴካፋ ተደጋጋሚ እዋን ከምዘካየድኦ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ናይዚ ዓመት እዚ መበል 38 ግጥማት ምብራቕን ማእከላን ኣፍሪቃ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ'ዩ ዝብል ተስፋታት ኔሩ።
መንግስቲ ጁባ ተቓወምቲ ሱዳን ይሕብሕብ ኣሎ ክብል መንግስቲ ካርቱም ወቒሱ
Radio Erena: 16 December 2014
መንግስቲ ጁባ ንተቓወምቲ ሱዳን ምድጋፍ ይቕጽሎ ኣሎ ክብል ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከሲሱ።
እቲ ሚኒስትሪ ንጸብጻብ ክፍሊ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነቶም ብስም ሰራውራ ግንባር ሱዳን ዝተኣኻኸቡ ተቓወምቲ ይድግፍን ከምዘሎ መርትዖ ምህላዉ ኣረዲኡ።
ሰራዊት ሱዳን ነቶም ተቓወምቲ ንምህዳን ክሳብ ውሽጢ ደቡብ ሱዳን እናኣተወ ስርሒት ከካይድ ከምዝኽእል'ውን ኣጠንቒቑ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ብተወሳኺ፣ ጁባ ንተቓወምቲ ሰውራዊ ግንባር ሱዳን ምድጋፋ ነቲ ምስ መንግስቲ ሱዳን ዘለዋ ረብሓ ክትከስሮ ከምእትኽእል ኣሚቱ።
ወኪል ብሪጣንያ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምዝርራብ ኣብ ኣስመራ ቀንዩ፣ ብሪጣንያ ብዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ንመንግስቲ ፈረንሳ ትነቕፍ
Radio Erena: 15 December 2014
ብሪጣንያን ፈረንሳን ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ክረዳድኣ ኣይከኣላን።
ፈረንሳ ነቶም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደብ ካሌ ኣብ ጎደናታት ዝሓድሩ ዘለዉ ኣስታት 1500 ስደተኛታት፣ ካብ ቀዝሕን በረደን ንምድሓኖም ግዝያዊ መዕቖቢ ክትሰርሕ እንከላ፣ ብሪጣንይ በንጻሩ መንግስቲ ፈረንሳ ዶባቱ ክዓጹ ኣይከኣለን እናበለት ትነቕፍ ኣላ።
ኣብ ካሌ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣስታት 1500 ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ብሰንኪ ዘሎ ሓያል ቀዝሒ ካብ ሞትን ካልእ ሓደጋታትን ንምድሓኖም መንግስቲ ፈረንሳ ንዓቢ መኽዘን ናይ ሓደ ፋብሪኻ ናብ ግዝያዊ መዕቆቢ ቀይርዎ ምህላዉ ይግለጽ።
ጅቡቲ ብዘይካ ምስ ኤርትራ ምስኩለን ጎረባብታ ጽቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ገሊጹ
Radio Erena: 15 December 2014
ጅቡቲ ብዘይካ ምስ ኤርትራ ምስ ኩለን ጎረባብታ ጽቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማሕሙድ ዓሊ ዮሱፍ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ምስ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ ኣናዶሉ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ዝምድና ጅቡትን ኤርትራን ብሰንኪ ራስ ዱሜራ ካብ 1996 ኣትሒዙ ከምዝሓርፈፈ ብምግላግ፣ ኣብቲ እዋን'ቲ ክልትኤን ሃገራት ናብ ኵናት ኣመሪሐን ከምዝነበራ ኣረዲኡ።
ኣብ 1999 ከኣ መንግስቲ ጅቡቲ ጸግዒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሒዙ ዝብል ወቐሳ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝዝነበረ ዝጠቐሰ እቲ ሚኒስተር፣ ብሰንኩ ከኣ ጅቡቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኣምባሳደራ ብምስሓብምስ ኤርትራ ዝነበራ ዝምድንኣ ምሉእ ብምሉእ ከምዝበተኸት ሓቢሩ።