ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 19 February 2019

ሰበ ስልጣን መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ዝመጽእ ሰሙን ብዛዕባ ምምልካት ዶብ ክዝትዩ ምዃኖም ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ኣብቲ ን23 ለካቲት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰበ ስልጣን ክልትኤን ሃገራት፣ ብዘይካ'ዚ ንሓያሎ ዓመታት ዘሰሓሕብ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ከባቢታት ኣል ፋሽጋ፣ ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ኣጽዋርን'ውን ክመያየጡ'ዮም።

ኢትዮጵያ፣ ብዶብ ሱዳን ዝኣቱ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፣ ጸጥታዊ ስግኣት ይፈጥረላ ከምዘሎ'ያ ትገልጽ።

ሱዳን፣ ንዶባታ ክትቆጻጸር እንተዘይክኢላ፣ ምስታ ሃገር ዘሎ ዝምድና ክብተኽ ከምዝኽእል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምግላጹ'ውን ይዝከር።

Radio Erena: 18 February 2019

ኣብ ሉክዘምቡርግ፣ ዓመታዊ ዑቕባ ካብ ዝሓቱ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ብዝሂ ኤርትራውያን ቀዳማይ ደረጃ ከምዝሕዝ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2018፣ ብጠቕላላ ዑቅባ ዝሓተቱ ሰባት 2200 ክበጽሑ እንከለዉ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ብ17% ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።

ብካልኣይ ደረጃ ዝተሰርዑ ብ10% ዜጋታት ሶርያ'ዮም።

ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ብምንጽጻር፣ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሉክዘምቡርግ ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት፣ ኣዝዩ ውሑድ እኳ እንተኾነ፣ ምስቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ጥራይ ዝግመት ብዝሒ ህዝባ ብምዝማድ ግና ነታ ንእስቶ ሃገር፣ ብቀጻሊ ዘዛርባ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

Radio Erena: 18 February 2019

ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ክሳብ 2034 ንምንዋሕ ተባሂሉ፣ ኣብ ቅዋም እታ ሃገር ምቅይያር ቅዋም ክትግበር ከምዝክእል ተገሊጹ።

ቅዋም ግብጺ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር፣ ክልተ ግዜ ነናይ ሽዱሽተ ዓመት ብድምር 12 ዓመታት ጥራይ'ዩ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዝፈቕድ።

በዚ መሰረት ድማ፣ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ 2022 ዘመነ መሪሕነቱ ኣብቂዑ፣ ስልጣኑ ብምርጫ ንዝመጽእ ካልእ ዜጋ እታ ሃገር ከረክብ ኣለዎ።

Radio Erena: 18 February 2019

ኤርትራ፣ ናይ 2019 ግጥማት ዋንጫ ሴካፋ ትሕቲ 17 ዓመት ከተእንግድ ምዃና ዋና ጸሓፊ ናይቲ ዞባዊ ግጥም ኒኮላስ ሙሶንየ ኣፍሊጡ።

ንሱ ነዚ ዘፍለጠ፣ ምስ ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቶኖን ሓላፊ ካፍ ኣሕማድ ኣሕማድን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሮ ርክብ'ዩ።

ዋና ጸሓፊ ሴካፋ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኡጋንዳ ናይ ዓበይቲ ግጥማት ሴካፋ ንምእንጋድ ክትዳሎ እንከላ፣ ርዋንዳ ድማ ሜዳታታ ንግጥማት ጎባልል ክለባት ሴካፋ ይጽበ ኣሎ።

Radio Erena: 17 February 2019

ኤርትራ እትርከበን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት፣ ሓደጋ ጸረ ዘራእቲ ባልዕ ኣንጸላልዩወን ከምዘሎ ተገሊጹ።

ውድብ መግብን ሕርሻን ማለት ፋኦ ብዕለት 16 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቲ ካብ ሱዳንን ኤርትራን ዝተበገሰ ዕስለ ኣንበጣ ንሰሜን ክሳብ ግብጺ፣ ንምብራቕ ከኣ ክሳብ ስዑዲ ዓረብ የስፋሕፍሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሓላፊ ክፍሊ ምቁጽጻር ጸረባልዕ ኣብ ፋኦ ከይዝ ክረስማን ብወገኑ፣ እቲ ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ዝሃረመ ማይ ነቲ ዕስለ ክራባሕ ጥጡሕ ባይታ ከምዝፈጠረሉ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብዘን ዝስዕባ ሰለስተ ኣዋርሕ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱሉ፣ ክሳብ ህንድን ፓኪስታንን ከምዝዝርጋሕ ኣተሓሳሲቡ።