ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 09 January 2019

      ንሕክምና ናብ ሱዳን፣ ከተማ ካርቱም ክኸዱ ዝጸንሑ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ካልኦትን፣ ናብ ኢትዮጵያ ንምስግጋሩ ይስርሓሉ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

 ኣቐዲሙ፣ እቲ መንግስቲ ኣብ ካርቱም ምስ እትርከብ ናይ ብሕቲ ክሊንክ ብዝኣተዎ ስምምዕ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ሆስፒታላታ ሓይሊ ኣየርን፣ ሰምበልን ኦሮታን ሕክምና ክግበረሎም ዘይክኣሉ ማእከሎት ሰበ ስልጣናቱን ካልኦትን ናብ ካርቱም ክልእኮም ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ'ዩ።

Radio Erena: 08 January 2019

omhajer

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ዶብ ኦምሓጀር- ሑመራ ብ7 ጥሪ ተኸፊቱ።

ነቲ ዕጹው ኮይኑ ዝጸንሐ ዶብ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን መሪቖም ከፊቶሞ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክልቲኤን ሃገራት ክርከቡ እንከለው፣ ኣሽሓት ህዝቢ'ውን ካብን ናብን ክልቲኡ ጎረባብቲ ዓድታት ተበጻጺሑ።

Radio Erena: 07 January 2019

Ali Bongo coup d'etat

ሰራዊት ጋቦን ንፕረዚደንት እታ ሃገር ዓሊ ቦንጎ ካብ ብወትደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ዘካየዶ ፈተነ ከምዝፈሸለ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ሰራዊት፣ ነቲ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ብወቕዒ ዝሳቐ ዘሎ ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ክዓልዎ ዝፈተነ፣ ዴክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ንምትእትታው ምዃኑ ብመደበር ሬድዮ እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሓደ ሜጀር ዝተመርሐ ፈተነ ዕልዋ፣ ብኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ቤተ መንግስቲ ዝተሃንደሰ ምዃኑ ይንገር።

Radio Erena: 08 January 2019

orthodox

ድሕሪ ሞት ናይቶም ብህግደፍ ዝተሓርዩ ፓትርያርክ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ኣብ ታሕሳስ 2015፣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ብዘይ ፓትርያርክ ትምራሕ ኣላ።

ሕጋዊ ፓትርያርክ እታ ቤተ ክርስትያን ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ነዚ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ስለዝርከቡ፣ እታ ቤተ ክርስትያን ካብ ሕግን ስርዓትን ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ ብህግደፍ ብዝተሓርዩ ኣቡናት ትካየድ ከምዘላ ይፍለጥ።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑደት ዘካየዱ እዞም ናይ ህግደፍ ኣቡናት፣ ብዛዕባ ሃለዋት ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮንስን ሕጋውነት ናይቲ ብህግደፍ ዝተመርጹ ኣቡናትን ብዝምልከት በዳህቲ ሕቶታት ከምዘቐረበሎም ኣይርሳዕን።

Radio Erena: 07 December 2019

Eri Ethio airlines

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ዪክሬይን ብዘምጽኣ ናይ ክራይ ነፋሪት ናብ ኢጣልያ ክካየዶ ዝፈተነ ስሩዕ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከምዘይተዓወተ ተገሊጹ።

እቲ መንገዲ ኣየር፣ ብመንገዲ ካይሮ፣ ኣቢሉ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ናብ ሚላኖ ናይ መጓዓዝያ በረራ ንምክያድ ኣብ ሕዳር 2017 ከምዝተበገሰ ኣይርሳዕን።

ይኹን'ምበር እቲ ፈተነ ክሳብ ሚያዝያ 2018 ጥራይ ከምዝቐጸለ'ዩ ጸብጻባት ኣቭየሽን የመልክት።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ነቲ ካብ መንገዲ ኣየር ያን ናይ ዩክሬን ብክራይ ብዘምጽኣ B737-300 ዝዓይነታ ነፋሪት ዝጀመሮ ናይ ኤውሮጳ መደባቱ ድሕሪ ምፍሻሉ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተኪእዎ ኣሎ።