ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 24 January 2019

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ኣብ ጉዳይ 'ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ናይ ጉልበት ምዝመዛ ፈጺሙ ተባሂሉ ተኸሲሱ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ተጋቢኡ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብሮቡዕ 23 ጥሪ ኣብ ዝወዓሎ መጋብኣያ፣ ኩባንያታት ዕደና ካናዳ፣ ኣብ ካልእ ሃገራት ፈጺመንኦ ብዛዕባ ዝብሃል ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብምትካር መኺሩ።

Radio Erena: 23 January 2019

መንግስቲ ሶማል፣ ንኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ናብ ሃገሩ ከይእቱ ከምዝኸልከሎ ዲፕሎማስያውያንምንጭታት ኣቃሊዖም።

ቀዋሚ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርየስ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሶማልን እስላማውያን ጉጅለታትን ንዘሎ ምስሕሓብ ናይ ምሽምጋልን ምቅርራብን መስርሕ ከሳልጥ እኳ እንተተመዘዘ፣ ፕረዚደንት ሶማል ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ግና ናብ ሞቛድሾ ክቕበሎ ፍቓደኛ ከምዘይኮነ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

Radio Erena: 22 January 2019

ኢጣልያ፣ ካብ ወደብ ባጽዕ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ መንገዲ ባብቡር ንምዝርጋሕ ዘኽእል ቀዳማይ ገጽ መጽናዕቲ ክትምውል ምዃና ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ምግላጹ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ስምዒታት ፈጢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ ቁጠባዊ መድረኽ ዓለም ቅድሚ ምስታፉ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሴፐ ኮንተ ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ'ዩ።

Radio Erena: 23 January 2019

ሃገራዊ ባንክ ስዊዝ፣ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካየድ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ዝጸንሖ ብርኪ ብ2.4% ኣዕብይዎ።

እቲ ባንክ፣ ነቲ ክውንኖ ዝጸንሐ ብርክታት፣ ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ተወሳኺ 12,800 ብርኪ ብምዕዳግ ናብ 535,800 ኣዕብይዎ ኣሎ።

Radio Erena: 22 January 2019

ኣብ ግብጺ፣ ልዕሊ 14, 500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ( UNHCR) ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሃገር፣ ብጠቕላላ ልዕሊ 242 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝሓበረ UNHCR፣ ካብዚኣቶም እቶም ፍርቂ ዜጋታት ሶርያ ምዃኖም ኣስሚርሉ።