ዜና ኤርትራ

ኣባላት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምሽራፍ ናይ ወጻኢ ባጤራ ተዋፊሮም ንዝበልዎም ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

ብጉዳይ ምስቶም ኣብ ሲናይ ተጨውዮም ዘለዉ ኤርትራውያን ምስግጋር ገንዘብ ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ።
    እቶም ክልተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓለንስተይትን ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምእታዎም ፖሊስ ሽወደን ንነዊሕ እዋናት ክከታተሎም ከምዝጸንሐ፣ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ሽወደን ሓቢራ።

ኣብ ከረን ቤት ትምህርቲ ሰላም፣ ኣብ መናድቕ ናይቲ ክፍልታት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ውልቀ መላኺ’ዩ ዝብል ብቛንቋታት ትግርኛ እንግሊዝኛን ብኩርሽ ተጻሒፉ ከምእተራእየ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣልጀዚራ ንህዝባዊ ናዕብታት እትህቦ ዝነበረት ቆላሕታ ክትቕይስ ብኣሚር ቀጠር ሸሕ ሓማድ ከሊፋ ኣልታኒ መምርሒ ከምእተዋህባ፣ ንኣባላት እቲ ማዕከን ዜና ንዝነበሩ ጋዜጠኛታትን ሪፖርተራትን ብምጥቃስ ፕረስ ቲቪ ሓቢሩ።

ኣብ ከባቢ ሞልቂ ዝነበራ ክልተ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ብዓርቢ 16 ለካቲታ ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ምሸት ንሓድሕደን ከምእተጋጨዋ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።