ዜና ኤርትራ

ኣብ ላምፔዱሳ ጥሒሎም ዝሞቱ ኣማኢት ኤርትራውያን ስነ ስርዓት ቀብሮም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣልያ ክካየድ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኢጣልያ ኣንሳ- ሓቢሩ።

ኣብታ 500 ኤርትራውያን ጽዒና ብ 3 ትቕምቲ ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓለት ጀልባ ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ኤርትራውያን ዝተኣከበ ሬሳ 359 ከምዝበጽሐ ዝሓበሩ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ስነ ስርዓት ቀብሮም ድማ ኣብ ኢጣልያ ክፍጸም ምዃኑ'ዮም ዝጠቕሱ።

ሬሳ ናይቶም ኤርትራውያን ካብ ላምፔዱሳ ኣብ ዓባይ ወትሃደራዊት መርከብ ተጻዒኑ ናብ ሲሲልያ ከምዘምርሐ ዝሓበረ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ድማ፣ እቶም 100 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ወደባዊት ከተማ ሲሲሊ፣ ኣብ ኣግሪጀንቶ ኣብ ዝርከብ መቓብር ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ምዃኖምን እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ካልኦት ከተማታት ከምዝቕበሩን ገሊጹ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ናይ ዝሞቱ ኤርራውያን ተረኺቡ ዘሎ ሬሳ 311 በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሬሳ ናይቶም ኤርትራውያን ኣብ መበቖል ዓዶም ኤርትራ ንቡር ሓመድ ኣዳም ክለብስ ጻውዒት ይግብር ኣሎ።Lampe

ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፔዱሳ ህይወት ልዕሊ 250 ኤርትራውያን ዘህለቐ ናይ ምጥሓል ሓደጋ፣ ጠንቂ'ቲ ሓደጋ ዝኾነ መራሒ እታ ጃልባ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ሓቢሮም።Benn

እቲ ካልድ ቤን ሳልም ዝተባህለ ቱኒዝዊ መራሒ ጃልባ፣ ነታ 16 ቆልዑን ህጻናትን 100 ድማ ደቂንስትዮን ዝርከብኦም 500 ኤርትራውያንን 8 ኢትዮጵያውይንን ጽዒና ዝነበረት ንእሽቶ ጃልባ ናብ መሬት ከየጸግዐ ሞቶር ብምጥፋእ፣ ኣንሶላ ብምቕጻል ዝፈጠሮ ሓደጋ እታ ጃልባ ብምጥሓላ'ዩ ሞት ልዕሊ 230 ኤርትራውያን ስዒቡ ዘሎ።

ብመሰረት ሰበ ስልጣን ኢጣልያ፣ እቲ 35 ዓመት ዝዕድሚኡ ቱኒዝያዊ መራሒ ጃልባን ተሓጋጋዚኡን ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ሓምቢሶም ክወጹ እንከለዉ፣ በቶም ክድሕኑ ዝኸኣሉ ኤርትራውያን ተለልዩ'ዩ ብፖሊስ ተታሒዙ።

ዋንነት እስራኤል ዝኾነ ቦይንግ 767 ዝዓይነታ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት፣ ናብ ሮቡዕ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብሃንደበት ከምዝዓለበት ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ብፖሊስ ዝተቐትለ ኤርትራዊ ስደተኛ ስነ ስርዓት ቀብሩ፣ ኣብ እንዳገብርኤል መቓብር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ሓመድ ኣዳም ከምዝለበሰ፣ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብስእሊ ኣሰንዮም ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።harush weyane