ዜና ኤርትራ

Radio Erena: February 19, 2014

Israel Prison

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፣ ኣብቲ ዝተገፉ ብጾቶም ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ሖሎት ዝተባህለ ኣብ በረኻ ዝተደኮነ መዓስኮር ብምብጻሕ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ትማልን ብቕድሚ ትማልን ኣብ ቀጽሪ ቤት ማኣሰርቲ ሖሎት ዝቐጸለ ሰለማዊ ሰፍሊ ኤርትራውያን ብኻልእ መልክዑ’ውን ገና ክቕጽል ምዃኑ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ወኪል ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጹ።

Radio Erena: February 19, 2014

Fuad Al

ብምትሕብባር ዓርቢ ሓርነትን ኣብ ስደት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ህቡብት ኤርትራውያን ተዋሳእቲን ስነጥበበኛታትን ዝተዳለወት ‘ስዉእ ተዛሪቡ’ ዘርእስታ ሓዳስ ፊልም ኣብዚ ቀረባ እዋን ንምርኢት ክትቀርብ ምዃና ተሓቢሩ።

እዛ ኣብ ስደት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝርከብ ህቡብ ተዋሳኣይ፣ ፋኣድ ኣልኣሚን ዝተኣልየትን ዝተደርሰትን ሓዳስ ናይ ትግርኛ ፊልም፣ ከም በዓል ሓምዛ ዓንደልቃድር፣ ሳምሶን ተወልደብርሃን፣ ሚኪኤል እምባየ፣ ሰምሃር ግርማይ፣ ሚኪኤል ምሕረትኣብን ሰሎሞን ፍቓዱን ዝኣመሰለኡ ስነጥበበኝእታት ዝተሳተፉዋ ኮይና፣ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ መከራን በደልን ብዓይኒ እቶም ምእንቲ ራህዋ ሃገርን ህዝብን ህይወቶም ዝኸፈሉ ስውኣት እትመዝን ንህሉው ኩነታ እትንጸባርቕ’ያ።

Radio Erena: February 17, 2014

Sudan air

ኣብ ዝበዝሐ ክፍሊ ዓለም ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከየካይድ ዝተኣገደ መንገዲ ኣየር ሱዳን፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዝስርሑ ደው ዝበለ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ብምትካእ ካብን ናብ ኣስመራ፣ ዱባይን ጅዳን በረራታት ክጅምር’ዩ።

እቲ ብሰንኪ ውሕስነት ካብ ኣህጉራዊ ኣቭየሽን ናብ ኤውሮጳን ካልኦት ዝበዝሓ ሃገራት ኤስያን ናይ በረራ ፍቓድ ዘይረኸበ መንገዲ ኣየር ሱዳን፣ ነቲ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ሒዝዎ ዝነበረት መስመራት ካብን ናብን ኣስመራ፣ ዱባይን ጅዳን ኣብ ርእሲ ምትካእ ናብ ካርቱምን ጁባን ዝካየድ ዝነበረ በረራታት'ውን ክቕጽሎ ምዃኑ'ዩ ኣፍሊጡ።

Radio Erena: February 17, 2014

Osman Lavrov

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማብን ሳልሕ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ሎሚ ሰኑይ 17 ለካቲት ኣብ ሞስኮ ብምርኻብ ከምዝተዘራረበ ሬድዮ ድምጺ ሩስያ ሓቢራ።

ኣብቲ ርክብ፣ ክልቲኦም ሚኒስተራት ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ወፍር ብምዝርራብ ኣብ ዕደናን ካልእ ንግድን ቁጠባን ንምትሕግጋዝን ዘኽእል ሓባራዊ ስምምዕ’ውን ከቲሞም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፣ ኣብቲ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተራኸበሉ ኣጋጣሚ፣ መርገጺ ሩስያ ኣብ ጉዳይ ሶርያ ደጊሙ ከምዘነጸረ’ውን ንሬድዮ ድምጺ ሩስያ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኢራን፣ ፋርስ ገሊጹ።

Radio Erena: February 17, 2014

Imm Lampe

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሲሲልያን ላምፔዱሳን ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 400 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓኑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቶም 15 ቆልዑ ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ኣብ ክልተ ጃልባ ዝተጻዕኑ ኮይኖም፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ብመራኽብን ሄሊኮፕተራትን ጌሩ ከምዘድሓኖም'ዩ ገሊጹ።

ብዋሕዚ ስደተኛታት እተማርር ዘላ ኢጣልያ፣ ድሕሪ'ቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ጥቕምቲ 2013 ዘጋጠመ ህልቂት ኣስታት 350 ኤርትራውያን፣ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከየጋጥም፣ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይሊ ባሕሪ ብምውፋር ህወይት ናይ ምድሓን ስርሒት ተካይድ ምህላዋ ይፍለጥ።