ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 21 July, 2014

Am FF

ፈደራላዊ በዓል ስልጣን ኣቭየሽን፣ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ክሊ ኣየር ናይቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ሰሚናዊ ኢትዮጵያ ከይሓልፋ ከልኪሉ።

ፈደራላዊ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ኣቬሽን ናይ ኣመሪካ፣ ድሕሪ'ቲ ኣብ ልዕሊ መንገዲ ኣየር ማሊዥያ ኣብ ክሊ ኣየር ዩኪሬን ዘጋጠመ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ኣብ ዝዘርግሖ መጠንቐቕታ'ዩ፣ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ክሊ ኣየር ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ከይሓልፋ ዝኽልክል ዘሎ።

Radio Erena: 18 July, 2014

Asmara pub sem

ኣብ ኤርትራ ገኒኑ ዘሎ ጸገም ምቑራጽ ኤሌክትሪክ፣ መንግስቲ ምልእ ናይ ጸዓት ዓቕሙ ናብ ዕደና የውዕሎ ብምህላዉ'ዩ ክብሉ ካድራት ህግደፍ ኣብ ሰሚናራት ይገልጹ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ ብ9ን 10 ግንቦት ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ብርጋዴር ጀነራል ኣብራሃ ካሳን፣ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃን ንላዕለዎት ማእከሎትን ሓለፍቲ ሚኒስትሪታትን ኣመሓደርትን ብዝሃብዎ ሰሚናር ዝጀመረ ጽዑቕ ጎስጓስ፣ ናብ ነበርቲ ንኡስ ዞባን ኣባልት ሰራዊትን ወሪድሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ህዝቢ ኣብቲ መዓልታዊ መነባብርኡ ኣጸልሚትዎ ዘሎ ኩነታት ኤሌክትሪክን ካልእ ናይ መነባብሮ ጸገማትን ብዝምልከት ሕቶታት ብጻዕቒ የቕርብ ከምዘሎ'ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

Radio Erena: 17 July, 2014

Eri In Yem

ንልዕሊ ክልተ ወርሒ ብዘይዝኾነ መጽለሊ ኣብ የመን ኣብ ጎደናታት ሰንዓ ኣብ ግዳም ዝነብሩ ዘለዉ ኣስታት 200 ኤርትራውያን፣ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ጉዳዮም ዝርኢ ኣካል ብዘይምህላዉ ብምረት ገሊጾም።

እቶም ካብ ዝነበርሉ ግዝያዊ መንበሪ ድሕሪ ምውጽኦም ካብ 29 ሚያዝያ ኣትሒዞም፣ ኣብ ከተማ ሰንዓ ጎደና ጣይዝ ብዘይዝኾነ መጽለሊ ዝነብሩ ዘለዉ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያን፣ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራትን ሃገራት (UNHCR)ን ናብ ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ዘቕረብዎ ጻውዒታት’ውን ዝኾነ ግብራዊ መልሲ ከምዘይተረኽቦ የመልክቱ።

Radio Erena: 18 July, 2014

Eri Ger

ፊፋ ድሕሪ ምዝዛም ዋንጫ ዓለም ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ደረጃ፣ ዋንጫ ዝዓተረት ጀርመን ሓደ ደረጃ ንቕድሚት ብምሕኳር ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፣ ኤርትራ ድማ ካብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሓደ ደረጃ ንታሕቲ ወሪዳ መበል 202 ተሰሪዓ።

ፊፋ ወርሓዊ ዘውጽኦ ደረጃታት ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ዓለም፡ ትማሊ ሓሙስ 17 ሕምለ 2014 ኣብ ዝዘርገሐሉ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝደመቓ ሃገራት፡ ንላዕለዋይ ደረጃ ብሒተንኦ።

ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም 2014፡ ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ካብ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ መስርዕ፡ ሓደ ደረጃ ደይባ ቀዳማይ ደረጃ ክትሕዝ ከላ፡ ሃገራውያን ጋንታታት ኣርጀንቲናን ነዘርላንድስን ከኣ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝሓዝኦ ደረጃ ብምድጋም፡ ካልአይትን ሳልሰይትን ኮይነን። ጀርመን ነዚ ደረጃ ትሕዝ ዘላ ድሕሪ 20 ዓመት ሕጂ ንፋልማይ ግዚኣ እያ።

Radio Erena: 17 July, 2014

ethi Vill

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ዞባ ሸካ ኣብ መብጎ ክልተ ቀቢላታት ብዝተወልዐ ግጭት ሓይሎ ሰባት ከምዝተቐትሉን 130 ኣባይቲ ድማ ከምዝተቓጸለን ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ሓቢራ።

ቅድሚ 12 ዓመት ዝተጓሃሃር ግጭት ናይዞም ቀቢላታት ብምትእትታው ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር እኳ እንተሃድአ፣ ዳግም ምውልዑ ድማ ተደጕሉ ከምዝጸንሀ ዘረድእይ’ዩ ክትብል እታ ጋዜጣ ኣብ ጸብጻባ ኣስፊራ ኣላ።

እቲ መንጎ ቀቢላታት ሸካን ሸኮን ዳግም ዝተወልዐ ግጭት ጠንቑ ብጽኑር ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ባህላዎ ዕደና ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ።