ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 11 February 2019

ሓያሎ ትካላት ግብጺ፣ ኣብ ክሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ቁጽጽር ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ የካይዳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ይኹ'ምበር፣ እተን ኣብ ኢንዱስትሪ ምግፋፍ ዓሳ ዝተዋፈራ ትካላት ግብጺ፣ ኣብ ክሊ ባሕሪ ኤርትር ዘካይድኦ ዘለዋ ምግፋፍ ዓሳ፣ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ሓበሬታ ከምዘይተዋህቦ ኣባላት እቲ ሚኒስትሪ የረጋግጹ።

እተን ዘመናዊ መግፈፊ ዓሳ ዝተገጥመን ጀላቡ፣ ንዝተወሰነ መዓልታት ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክጸንሓ ኣብ ዝፍቀደለን እዋናት፣ ገደብን ምቁጽጻርን ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ የካይዳ ከምዘላ'ውን ኣረጋጊጾም።

Radio Erena: 11 February 2019

ሓላፊ ክፍሊ ሕሳብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነበር ኣቶ ብርሃነ የማነ፣ ምስቲ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ፈጺምዎ ዝብሃል ምጥፍፋእ ገንዘብ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሩ።

ኣቶ ብርሃነ፣ ናይቲ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ሒሳብ ከጻሪ ናብ ቴልኣቪቭ ከይዱ እኳ እንተነበረ፣ ምጥፍፋእ ተፈጺሙ ክነሱ ብዝግባእ ከይሓበረ ብምሕላፉ ከምዝተኣስረ'ዩ እቲ ዝበጽሓና ዜና ዘመልክት።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ) ካብቶም ኣብ እስራኤል ካብ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተኣከባ ገንዘብ ብምጥፍፋእ ብቐዳምነት ካብ ዝተኣስሩ ኣባላት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት'ዩ።

Radio Erena: 10 February 2019

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንወደባት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመራት ጽርጊያ ንምጽጋን ናይ 20 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ሰሊዑ።

ኮሚሽነር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ምዕባለን ሕብረት ኤውሮጳ ነቨን ሚሚምካ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ እዩ፣ እቲ ሕብረት ብራስለስ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ነዚ መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝህሉ ንግዳዊ ምልውዋጥን ምንቅስቓስ ሰብን ኣሳልጦ ንምግባር፣ እቲ መስመራት ክጽገን ኣገዳሲ ስለዝኾነ፣ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ 20 ሚልዮን ዩሮ ንመንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክገብር ከምዝወሰነ የፍልጥ።

Radio Erena: 11 February 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስለሴ ተሃኒጹ።

እቲ ሓልወቲ፣ ትማሊ ሰንበት 10 ለካቲት፣ ብምኽንያት 32 ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ'ዩ ተመሪቑ።

እቲ ሓወልቲ፣ ንዝኽሪ ናይቲ ንጉስ ሃይለስላሴ፣ ኣብ ምምስራት እቲ ሕብረት ዝነበሮ ኣበርክቶ ንምግላጽ ዝዓለመ'ዩ ተባሂሉ።

እንተኾነ፣ እቲ ንልዕሊ 44 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዝመርሐ ንጉስ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፣ ህልቂትን ግፍዕታት ከምዝፈጸመ ኣይርሳዕን።

ብሰንኪ እቲ ናይ ንጉስ ሃይለስላሴ ግፍዕታት፣ ሓያሎ ዓድታት ኤርትራ ከምዝተቓጸላ፣ ኣሽሓት ኣዴታት ምስ ደቀን ከምዝተረሸናን መንእሰያት ኣብ ጎደናታት ከምዝተሓንቁን ኣብ ትሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ተሰኒዱ ዝርከብ ሓቂ'ዩ።

Radio Erena: 08 February 2019

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ መድረኽ፣ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን እታ ሃገር፣ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ዘተን ክትዓትን፣ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝጻረር ርእይቶታት ይህቡ ኣለዉ።

ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ወደብ ዓሰብ ብዝምልከት፣ "ኢትዮጵያ ነቲ ወደብ ናይ ምውናን ሕጋዊ መሰል ኣለዋ" ኣብ ዝብል ነጥቢ ናይ ዘተ መድረኽ ምኽፋቶም፣ ንሉኣላውነት ሃገረ ኤርትራ ዝቓወም መርገጺታት ዘግህድ'ዩ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጀሚሮም ዘለዉ ንህዝቢ ኤርትራ ንጹር ዘይኮነ ርክባት፣ ብወገን ብዙሓት ኢትዮጳውያን፣ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመልሰት ክሳብ ዝሕሰብ በጺሑ ይርከብ።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት'ውን፣ ኢትዮጵያውያን፣ ንኤርትራ ዝሓወሰት ካርታ ኢትዮጵያ እናልዓሉ፣ ሰለማዊ ሰልፍታት ከካይዱ ይርኣዩ'ዮም።