ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 08 February 2019

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ መበል ሻውዓይ መዓልቲ ምክልኻል፣ ኣብ ጓል ባድመ ከምዝጸንበለ ካብ ትግራይ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣፍሊጡ።

እቲ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ሰፊሩ ዝርከብ፣ ብእዚ ሰሜን ዝጽዋዕ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጓል ባድመ፣ ድሙቕ ወትሃደራዊ ምርኢትን ጽምብልን ዘካየደ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን፣ ንባድመ ዝምልከት ጉዳይ ንጎኒ ብምጉሳይ፣ ንህዝቢ ንጹር ብዘይኮነ ርክባት ኣብ ዝቕጽልዎ ዘለዉ እዋን'ዩ።

ኣብቲ ኣብ ጓል ባድመ ዝተኻየደ ጽምብል፣ ብኣጋር ሰራዊትን ከበድቲ ብረትን ዝተሰነየ ወትሃደራዊ ምርኢት ቀሪቡ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይሰሓበ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዝርርብ ኣይንገብርን ኢና እናበለ 20 ዓመታት ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዘካይዶ ዘሎ ርክባት፣ ጉዳይ ባድመ ከም ኣርእስቲ'ውን ከይልዓል ካድራቱ ጽዑቕ ጎስጓስ የካይዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

Radio Erena: 08 February 2019

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ኣቡዳቢ፣ ሕክምናዊ ክንክን ንዝግበረሉ ዘሎ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም በጺሑ።

ዛጊት መንነቱ ብዘይተነጸረ ሰብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ ኣስመራ ከቢድ መጥቃዕቲ ዝወረዶ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝርከብ፣ ዛይድ ወትሃደራዊ ሆስፒታል ሕክምና ይካየደሉ ከምዘሎ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣፍሊጦም።

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ኣብ ቀረባ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ዝተረፈ ሕክምንኡ ክከታተል ትጽቢት ከምዘሎ ናይ ቀረባ ፈለጥቱ ይሕብሩ።

ቀንዲ ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ምብጻሕ እኳ እንተኾነ፣ ትማሊ 6 ለካቲት ንእግረ መንገዱ ምስ ወራስ ዓራት ኣቡዳቢን ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ተራኺቡ ሓጺር ርክብ ኣካይዱ'ዩ።

Radio Erena: 07 February 2019

ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩበንያ ኔቭሰን ዝነበረ ክሊፍ ዴቪስ፣ ኣብ ካናዳ ክሲ ከምዝተመስረተሉ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ናይቲ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ብጡሮታ ተፋንዩ ዝርከብ ክሊፍ ዴቪስ፣ ኣመሓዳሪ ኩባንያ ኔቭሰን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ እቲ ኩባንያ ኣብ ኤርትራ፣ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ተገዲዶም ንዝመጽእዎ ኤርትራውያን እናፈለጠ ኣብ ስራሕ ብምውፋሩ'ዩ ተኸሲሱ።

ኣብ ቫንኩቨር፣ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፣ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ኣብ ጉዳይ'ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ናይ ጉልበት ምዝመዛ ፈጺሙ ተባሂሉ ተኸሲሱ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ብ23 ጥሪ ተጋብኡ'ዩ።

Radio Erena: 07 February 2019

ኣብ ዓዲ ሓሎ፣ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት፣ ነፍሲ ወከፎም 10 ሽሕ ናቕፋ መተባብዒ ተዋሂብዎም።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንት ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት፣ ብፍሉይ ዝተዋህበ ብተዛማዲ ብርክት ዝበለ መተባብዒ ገንዘብ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል፣ ንህይወት እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሓደጋ ከየእቱ ካብ ምስጋእ ዝተገብረ ሓለፋ ምዃኑ'ዮም ነዚ ሓበሬታ እዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ዘመልክቱ።

ኣብ ኤርትራ፣ ልዕሊ 5 ሽሕ ናቕፋ ጥረ ገንዘብ ከይንቀሳቐስ ዝኽልክል ኣዋጅ ወጺኡ እኳ እንተሎ፣ እዚ ንኣባላት ናይታ፣ ካብ ተወርዋሪ እዚ፣ ናይ 525 ተዋጺኣ ኣብ ሓለዋ ናይቲ፣ ኣብ ዓዲ ሓሎ ዝርከብ መንበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዋፊራ ዘላ ኣሃዱ ዝተዋህበ ገንዘብ ግና ነዚ ዝጥሕስ'ዩ።

Radio Erena: 06 February 2019

ብኮሚሽነር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ንልምዓት ነቨን ሚሚቻ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሕ'ዩ።

እቲ ልኡክ፣ ኣብ መውወዳእታ ዕለታት'ዚ ሰሙን ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝጽሕሉ፣ ምስ መራሕተን ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብን ዝህሉ ለውጥን ክዝቲ ምዃኑ ኮሚሽነር ሚሚካ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ፣ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኢጋድን፣ ብ22 ጥሪ  ብምርኻብ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን'ዩ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሕ ወሲኑ።

ይኹን'ምበር ናብ ንጡፍ ኣባልነት እቲ ዞባዊ ውድብ ክትምለስ ጻውዒት ዝቐረበላ ኤርትራ፣ ኣብቲ ናይ ኢጋንድን ሕብረት ኤውሮጳን ርክብ ኣይተሳተፈትን።