ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 20 February 2019

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናህሩ ተሰናኺሉ ዝጸንሐ ምህናጽ ዲጋ ሚለንዮም ንምቅልጣፍ ምስ ቻይና ሓድሽ ውዕላት ከምዝኸተመ ተገሊጹ።

ነቲ ዲጋ ናይ ምህናጽ ፕሮጀክት ዝውንን በዓል መዚ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ገዙባ ምስ ዝተባህለ መንግስታዊ ትካላ ቻይና ናይ 40 ሚልዪን ዶላር ውዕል ከምዝገበረ'ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ 2020 ኣገልግሎት ክጅምር ትጽቢት ዝግበረሉ ዲጋ ሚለንዮም፣ ብሰንኪ 'ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ናይ ለውጢ መድረኽ ተሰናኺሉ'ዩ ጸኒሑ።

ነቲ ፕሮጀክት ናይውቲ ኣብ ምቕራብ ዝዋሳእ ዝነበረ ክፍሊ ምህንድስና እታ ሃገር ሜተክ፣ ሓለፍቱ ብብልሽውና ተኸሲሶም ኣብ ማእሰርቲ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

Radio Erena: 19 February 2019

ኣብ እዋን ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ንብረቶም ዝተሃገረ ኢትዮጵያውያን ክምለሰሎም ይሓቱ ኣለዉ።

ብፍላይ ወነንቲ ገዛን ትካላትን ዝነበሩ ኢትዮጵያን ምስ ምውላዕ እቲ ናይ 1998፣ ካብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታትን ናብ ዓዶም ድሕሪ ምፍናዎም፣ ንብረቶም ከምዝተሃገረ ኣይርሳዕን።

ይኹን'ምበር ምስዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ርክብ፣ ሓያሎ ኢትዮጵያን ዝተሃገረ ገዛውቶምን ንብረቶምን ክምለሰሎም፣ ኣብ ሓዲ ሓሎ ናብ ዝርከብ ግዝያዊ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጥርዓናት ኣብ ምቕራብ ይርከቡ።

ኣብ ከባቢ ማይጭሆት ዝነበረ ገዛውቲ ናይቶም ኢትዮጵያን'ውን ክምለሰሎም ከምዝጽኽእል ዝገልጽ ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ከምዝረኸቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣገንዚቦም።

Radio Erena: 19 February 2019

ሰበ ስልጣን መንግስታት ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ዝመጽእ ሰሙን ብዛዕባ ምምልካት ዶብ ክዝትዩ ምዃኖም ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ኣብቲ ን23 ለካቲት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ዘተ ሰበ ስልጣን ክልትኤን ሃገራት፣ ብዘይካ'ዚ ንሓያሎ ዓመታት ዘሰሓሕብ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ከባቢታት ኣል ፋሽጋ፣ ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ኣጽዋርን'ውን ክመያየጡ'ዮም።

ኢትዮጵያ፣ ብዶብ ሱዳን ዝኣቱ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፣ ጸጥታዊ ስግኣት ይፈጥረላ ከምዘሎ'ያ ትገልጽ።

ሱዳን፣ ንዶባታ ክትቆጻጸር እንተዘይክኢላ፣ ምስታ ሃገር ዘሎ ዝምድና ክብተኽ ከምዝኽእል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምግላጹ'ውን ይዝከር።

Radio Erena: 19 February 2019

ሶማልን ኬንያን፣ ብዋንነት ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖ ዝርከብ ሰፊሕ ከባቢታት ይሰሓሓባ ተሰሓሒበን።

መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ሞቛድሾ ዝርከብ ኣምባሳደሩ ናብ ናይሮቢ ብምስሓብ፣ ንኣምባሳደር ሶማል ከኣ ብህጹጽ ናብ ሞቛድሾ ክኸይድ ከምዘገደዶ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ዕላማኡ፣ ብዛዕባ'ቲ ብመንግስቲ ሶማል ዝተፈጸመ፣ "ሃንደበታውን ዘጣዕስን" ዝበሎ ስጉምታት ንምዝርራብ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ መንግስቲ ኬንያ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ብወገኑ ብዘይዝኾነ ምድላው፣ ንኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኬንያ ናብ ሞቛድሾ ክብገስ ምግዳዱ፣ "ዘጣዕስ ስጉምቲ፣" ክብል መሊስሉ።

Radio Erena: 18 February 2019

ኣብ ሉክዘምቡርግ፣ ዓመታዊ ዑቕባ ካብ ዝሓቱ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ብዝሂ ኤርትራውያን ቀዳማይ ደረጃ ከምዝሕዝ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2018፣ ብጠቕላላ ዑቅባ ዝሓተቱ ሰባት 2200 ክበጽሑ እንከለዉ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ብ17% ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።

ብካልኣይ ደረጃ ዝተሰርዑ ብ10% ዜጋታት ሶርያ'ዮም።

ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ብምንጽጻር፣ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሉክዘምቡርግ ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት፣ ኣዝዩ ውሑድ እኳ እንተኾነ፣ ምስቲ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ጥራይ ዝግመት ብዝሒ ህዝባ ብምዝማድ ግና ነታ ንእስቶ ሃገር፣ ብቀጻሊ ዘዛርባ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።