ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 23 January 2019

ሃገራዊ ባንክ ስዊዝ፣ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካየድ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ዝጸንሖ ብርኪ ብ2.4% ኣዕብይዎ።

እቲ ባንክ፣ ነቲ ክውንኖ ዝጸንሐ ብርክታት፣ ካብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ተወሳኺ 12,800 ብርኪ ብምዕዳግ ናብ 535,800 ኣዕብይዎ ኣሎ።

Radio Erena: 22 January 2019

ኢጣልያ፣ ካብ ወደብ ባጽዕ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ መንገዲ ባብቡር ንምዝርጋሕ ዘኽእል ቀዳማይ ገጽ መጽናዕቲ ክትምውል ምዃና ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ምግላጹ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ስምዒታት ፈጢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ ቁጠባዊ መድረኽ ዓለም ቅድሚ ምስታፉ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሴፐ ኮንተ ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ'ዩ።

Radio Erena: 22 January 2019

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ኣብቲ ብዕብየቱ ኣብ አፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ቅድድም ዙር ጋቦን ትወዳደር ኣላ።

ኣብቲ ካብ ትማሊ 21 ክሳብ 27 ጥሪ ዝካየድ ዘሎ፣ ቅድድም ብሽክለታ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፣ 10 ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃ ዝርከብአን ሓያሎ ናይ ዓለምና ክለባት ይሳተፋ ኣለዋ።

ቱር ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ፣ 2.1 ኣህጉራዊ መዐቀኒ ዘለዎ ቅድድም ብሽክለታ'ዩ።

Radio Erena: 22 January 2019

ኣብ ግብጺ፣ ልዕሊ 14, 500 ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ( UNHCR) ኣፍሊጡ።

ኣብታ ሃገር፣ ብጠቕላላ ልዕሊ 242 ሽሕ ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝሓበረ UNHCR፣ ካብዚኣቶም እቶም ፍርቂ ዜጋታት ሶርያ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

Radio Erena: 21 January 2019

ንለውጢ ዝጠልብ፣ ስርሒት ፎርቶ ዝተኻየደሉ ሻድሻይ ዓመቱ ይዝከር ኣሎ።

እዚ ብስዉእ ኮለነል፣ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ዝተመርሐ ናይ 21 ጥሪ 2013 ስርሒት፣ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊትን ክልተ ታንክታቶም ብምሓዝ፣ ኣስመራ፣ ፎርቶ ናብ ዝርከብ ሚኒስትሪ ዜና ብምድያብ፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ቅዋም ክትግበርን ዝጠለበ።