ዜና ኤርትራ

ኣብ ኤርትራ መነባብሮ ህዝቢ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ባይታ እናዝሐ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፣ ዕላምኡ ንጹር ዘይኮነ ኣብ ዳህላክ ዝህንጸ ዘሎ ውቁብ ናይ መዘናግዒ ቪላታት ናብ ምዝዛም ገጹ ከምዝተቓረበ ተገሊጹ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝገብሮ ዘሎ ጸቕጢ ንምቅዋም ኣማኢት ኤርትራዊያን ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ናብ ጀርመን ፍራንክፈት ዘካይዶ ዝነበረ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ምሉእ ብምሉእ ከምዝተቛረጸ ኤሮ ቴሌግራፍ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ጀርመን ኣረጋጊጹ። እቲ መንገዲ ኣየር ንዓመታት ደስኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2012 ዳግም ናብ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈትር ናይ መጓዓዝያ በረራታት ምጅማሩ ጽዑቕ ምውዕዋዕ እኳ እንተካየደ፣ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ድማ እንደገና ኣቛሪጹ ኣሎ።

ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት ከም መቐጸልታ ናይቲ ካብ ለካቲት 2012 ኣትሒዙ ዘካይዶ ዘሎ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ዝጠመተ ናይ ተለፎን ጎስጎስ፣ ዝሓለፈ ዓርቢ እውን ብምትሕብባር “ፈሪ ዳዊት ኤሳቕ” ዝተባህለ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ንሰብኣዊ መሰላት ዝቃለስ ማሕበር ን10,000 ተቀማጦ ኣስመራን ከባቢኣን ናይ ቴለፎን መልእኽትታት ኣመሓላሊፋ።

5 ጥቕምቲ ኣህጉራዊ መዓልቲ መማህራን ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ ኣብ ዝወዓለሉ ኣጋጣሚ፣ ሃገራት ዓለም ኣብ ትምህርቲ ዝልዓለ ወፍሪ ክገብራ ኣብ ትምህርቲ፣ ስነ ፍልጠን ባህልን ዘተኩር ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዩኔስኮ ጸዊዑ።