ዜና ኤርትራ

ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቅድድም ብሽክለታ ማለት ዙር ርዋንዳ 2013 ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣዝዩ ዝንኣድ ብቕዓት የርእዩ ምህላዎም ማዕከናት ዜና ስፖርት ሓቢረን።

ኣብቲ ቅድድም ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ሓደ፣ ኣባል ክለብ ኣስፔኮ ዝኾነ መትከል እዮብ ዝልዓለ ቆላሕታ ረኪቦም ካብ ዘለዉ'ዩ።

ጋዜጠኛን ደራስን ደሳለ በረኸት፣ ኣብ ካናዳ ብዝመደበሩ ትካል ንዝዳሎ ኣህጉራዊ ሽላማት ፕረስ ፍሪደም 2013 ተዓዊቱ።

ደሳለ በረኸት፣ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ስደት ኣብ ዝነበረሉ መርበብ ሓበሬታ ጥሙራት ልብታት ብምድላው ምስ ብጾቱ፣ ሩት ዘካርያስ ገብረን መብራህቱ ተኽለጽዮንን ብምዃን፣ እዋናውን ሰሓብን ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ክነጥፍ ዝጸንሐ'ዩ።

ብኣማሓዳሪ ናይታ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ቆይማ ዘላ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ከርስትያን ኤርትራ ኣቶ ይፍታሄ ድሜጥሮስ ዝተመርሐ ልኡኽ ምምሕዳር ጳጳሳት ኤርትራ፣ ኣብቲ ኣብ ቡሳን ደቡብ ኮርያ ዝተጋብአ ዓመታዊ ኣድማሳዊ ጉባኤ ኣብያተ ክርስትያናት ከይሳተፍ ከምዝተኣገደ፣ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ክፍሊ ወጻኢ ዱዳያት እታ ሃገር ትማሊ ደጊሙ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ መገሻ መጠንቐቕታ፣ ናብ ኤርትራ ንምጋሽ ዝወጠኑ ዜጋታት ኣመሪካ መገሽኦም ናብ ካልእ እዋን ከሰጋግሩ ምዒዱ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ በረራታቱ ደው ከብል ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ትማሊ 13 ሕዳር ኣትሒዙ ንሓያሎ ኣባላቱ ካብ ስራሕ ከፋኑ እንከሎ፣ ነቶም ዝተረፉ ድማ ክሳብ 23 ሕዳር ኣብ ዘሎ ዕለታት ከፋንዎም ምዃኑ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።