ዜና ኤርትራ

ኣብቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያን፣ ከንቲባ ከተማ ላምፔዱሳን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገርን ሕብረት ኤውሮጳን ከምኡ ድማ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ዝተረኽብሉ ስነ ስርዓት ዝኽሪ፣ ብመራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን እስልምናን ጸሎተ-ፍትሓትን ዱዓ-ኣልፋቲሓን ተኻይዱ።።

bishaኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን፣ ካብ ቢሻ ዘውጽኦ ናይ መጀመርያ ፍርያቱ ዝኾነ 11 ሽሕ ቶን ዘይተጻረየ ነሓስ ናብ ሰድድ ከምዝልኣኸ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ካናዳ ናይ ዕደና ኩባንያ፣ ነቲ ካብ ቢሻ ዘውጽኦ 11 ሽሕ ቶን ብመንገዲ ወደብ ባጽዕ ኣቢሉ ከምዝልኣኾ’ውን ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

ኣብ ላምፔዱሳ ጥሒሎም ዝሞቱ ኣማኢት ኤርትራውያን ስነ ስርዓት ቀብሮም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣልያ ክካየድ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኢጣልያ ኣንሳ- ሓቢሩ።

ኣብታ 500 ኤርትራውያን ጽዒና ብ 3 ትቕምቲ ኣብ ላምፔዱሳ ዝጠሓለት ጀልባ ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ኤርትራውያን ዝተኣከበ ሬሳ 359 ከምዝበጽሐ ዝሓበሩ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ስነ ስርዓት ቀብሮም ድማ ኣብ ኢጣልያ ክፍጸም ምዃኑ'ዮም ዝጠቕሱ።

ሬሳ ናይቶም ኤርትራውያን ካብ ላምፔዱሳ ኣብ ዓባይ ወትሃደራዊት መርከብ ተጻዒኑ ናብ ሲሲልያ ከምዘምርሐ ዝሓበረ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ድማ፣ እቶም 100 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ወደባዊት ከተማ ሲሲሊ፣ ኣብ ኣግሪጀንቶ ኣብ ዝርከብ መቓብር ሓመድ ኣዳም ክለብሱ ምዃኖምን እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ካልኦት ከተማታት ከምዝቕበሩን ገሊጹ።

yemመንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ዝኽተሎ ዘሎ ኣካያዳ ምትዕርራይ እንተዘይገይርሉ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ክብል ምክትል ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ እታ ሃገር ዓብደላ ባስንቡል ኣጠንቒቑ።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ናይ ዝሞቱ ኤርራውያን ተረኺቡ ዘሎ ሬሳ 311 በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሬሳ ናይቶም ኤርትራውያን ኣብ መበቖል ዓዶም ኤርትራ ንቡር ሓመድ ኣዳም ክለብስ ጻውዒት ይግብር ኣሎ።Lampe