ዜና ኤርትራ

Radio Erena: April 18, 2014

Orthodox in Israel

በዓል ፋሲካ ንምጽንባል ኣማኢት ኤርትራውያን ወለዲ ናብ እስራኤል ከተማ ዮርሳሌም ከምዝኣተዉ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

እቶም ኤርትራውያን ውለዲ ናብ እዮርሳሌም ናይ ፋሲካ ንግደት ንኸካይዱ፣ ካብ ኤርትራ መውጽኢ ፍቓድ ንምርካብ ክሳብ ናይ ሊብሬቶ ትሕጃ ከምዘትሓዙ'ውን ተገሊጹ።

ብዝሒ እቶም ናብ ሎሚ ዓመት ናብ እስራኤል ዝኣተአዉ ኤርትራውያን ወለዲ ምስ ናይ ዓሚ ክነጻጸር እንከሎ፣ ኣዝዩ ከምዝዛየደ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

Radio Erena: April 17, 2014

Elsa chyrum and defen

መንግስቲ ጅቡቲ ኣብ ቀይዲ ዘጽንሖም 267 ኤርትራውያን ናብ UNHCR ከረክቦም እንከሎ፣ ኣብ ኵናት ኤርትራን ጅቡትን ኣብ 2008 ዝተማረኹ 19 ኤርትራውያን ግና ከምዘይለቐቖም ተገሊጹ።

እቶም ብቅድሚ ትማሊ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረከቡ ኤርትራውያን፣ ብሙሉኦም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኖም፣ ዶባ እናሰገሩ ዑቕባ ዝሓተቱ’ዮም።

እቶም መንግስቲ ጅቡቲ ኣትሪፍዎም ዘሎ 19 ኤርትራውያን ግና፣ መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎም ዘሎ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ክሳብ ዘይፈትሐ ክትሓዙ ምዃኖም’ዩ መንግስቲ እታ ሃገር ዝጠቕስ።

Radio Erena: April 17, 2014

ethio Bus attack

ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ዞባ ቤንሻንጉል ጉምዝ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ህዝቢ እተመላለስ ኣውቶቡስ ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ትሽዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።

ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ሬድዋን ሑሰን ብዛዕባ’ዚ ፍጻሜ ኣመልኪቱ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ እቲ ብ15 ለካቲት ኣብ ምዕራባዊ ኢትዮጵያ ዝተፈጸም መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ዛጊት ክንጸር ኣይከኣለን።

ዕላማ ናይቲ 28 ተጓዓዝቲ ጽዒና ናብ ከባቢ’ቲ ኢትዮጵያ እትንሃጾ ዘላ ዲጋ እተምርሕ ዝነበረት ኣውቶቡስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዛጊት ክፈልጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዓጠቑ ተቓወምቲ ቤንሻንጉል ዝፈጸምዎ ክኸውን ከምዝክእል’ዩ ዝንግረ።

Radio Erena: April 17, 2014

Obama Gele

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ክዝቲ ምዃኑ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ገለ፣ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ባራካ ኦባማ ክራኸብ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ዘረጋገጸ ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ፣ ኣውራ ዝዝተተሎም ነጥብታት ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ሶማልን ቀይሕ ባሕርን ዘሎ ኩነታት ከምዘተኩር ኣፊንቱ።

ኣብ 5 ግንቦት ዝካየድ ዘተ ፕረዚደንታት ጅቡትን ኣመሪካን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ምምካት ሽበራን ካልእ ጸጥታዊ ኩነታት ቀይሕ ባሕርን ዘለወን ኣበርክቶ’ውን ክልዓለ ትጽቢት ኣሎ።

Radio Erena: April 16, 2014

Peter

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ወዶም ንፕረዚደንት ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ቀሺ ዮሴፍ ኣርኣያ ዝርከቦም ሓሙሽተ ኣመንቲ ክርስትና ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

እቶም ጴጥሮስ ቀሺ ዮሴፍ፣ ኤርምያስ ሓድጉን ኣሮን ምሕረቱን ዝተባህሉ ዝርከብዎም ሓሙሽተ መንእሰያት ኣመንቲ ክርስትናን ወንጌላውያንን፣ ብሮቡዕ 26 መጋቢት ብኣባላት ጸጥታ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝተወስዱ ዘረጋገጹ እቶም ምንጭታት፣ ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ሃለዋቶም ክፍለጥ ከምዘይክኣለ'ውን ሓቢሮም።