ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 10 July, 2014

Mining in Eritrea

ኣብ ምዕራባዊ ኤርትራ፣ ያቆብ ድዋር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ዳህሳስን ኩዕታን ከካይድ ዝጸንሐ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ኣንድያሞ ብሉጽ ዓይነት ነሓስን ወርቕን ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባንያ፣ ኣብ ከባቢታት ሃይኮታን በር ገበይን ዳህሳስን ኩዕታን ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ዓመት ኦርታክ ምስ ዝተባህለ ካልእ ናይ ብሪጣንያ ኩባንያ ብሽርክነት ክሰርሕ ከምዝተሰማምዐ ዝዝከር’ዩ።

Radio Erena: 10 July, 2014

Djibou port

መንግስቲ ጅቡቲ፣ ዲ.ፒ ዎርልድ ምስ ዝተባህለ ናይ ዱባይ ኩባንያ ዝኣተዎ ናይ 30 ዓመት ናይ ወደብ ኣገልግሎት ውዕል ሰሪዝዎ።

ኣብ ኣገልግሎት ምርጋፍን ምኽዛንን ኮንተይነራት ኣህጉራዊ ስም ዘለዎ DP world፣ ካብ 2006 ኣትሒዙ ንወደብ ጅቡቲ ንምክራይ ስምዕ ከቲሙ እኳ እንተጸንሐ፣ እቲ ውዕል ገና 10 ዓመት ከይመልአ’ዩ ተሰሪዙ።

ጠንቒ ምስራዝ እቲ ውዕል፣ ብልሽውና ምዃኑ ዝሓበረ መንግስቲ ጅቡት፣ እቲ ኩባንያ፣ ርትዓዊ ብዘይኮነ ኣሰራርሓ ካብ ዱባይ ንዝመጻ መራኽብ ቀዳምነታት ክህብከምዝጸንሐ ወቒሱ።

Radio Erena: 09 July, 2014

Pope

Pope Francis gives his full support to the international campaign for the release of Dawit Isaak, the Swedish-Eritrean journalist who is imprisoned without trial in Eritrea since 2001.

”I send my blessings and greetings to him and his family,” the Pope said in an exclusive interview with Expressen.

Dawit Isaak is a Swedish-Eritrean journalist and writer held in Eritrean prison since 2001 without trial. The Eritrean regime calls him a traitor, while Amnesty International considers him a prisoner of conscience and has called for his immediate and unconditional release.

Radio Erena: 10 July, 2014

Alshabab

ዕጡቓት ኣልሸባብ፣ ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ቤት መንግስቲ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ኣካይዶም።

እቶም ኣርፒጂታት ዝርከቦ ጠበናጁ ዝዓጠቑ ኣባላት ኣልሸባብ፣ ኣብቲ ብጽኑዕ ዝሕሎ ቤት መንግስቲ ሶማል ናብ ትማሊ ኣብ ዘውግሐ ለይቲኣብ ዘካየድዎ መጥቓዕቲ፣ ጽዕጹዕ ቶዅስን ብርቱዕ ነትጕን ክስማዕ እኳ እንተሓደረ ኣብ ሰብ ይኹን ንብረት ዝወረደ ጉድኣት ብዝርዝር ኣይተገልጸን።

ኣፈኛ ፈደራላዊ ፖሊስ ሶማል ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣውራ ዕላም ናይቲ መጥቃዕቲ ዝነበረ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብቲ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ቤት መንግስቲ ከምዘይነበረ ኣፍሊጡ።

Radio Erena: 09 July, 2014

South Curfew

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ዝጠሓሰ ዝኾነ ሰብ ክቕትለ ምዃኑ መንግስቲ እታ ሃገር ኣጠንቒቑ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነዚ መጠንቐቕታ ዘቕረብ፣ ምስ ተቓወምቲ ወገናት ኣብ ምምስራት ግዝያዊ መንግስትን ፈደራላዊ ምሕደራን ዘተኮረ ዝርርብ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ደቡብ ሱዳን ኣለዩ ኣይኒ ኣለዩ ብዛዕባ'ዚ መጠንቐቕታ ኣመልኪቱ ንማዕከናት ዜና ዓለም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ድሕሪ'ዚ ዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ ዝንቐሳቐስ ሰብ ክሰርቕ ወይ ድማ ክቐትል ስለዝኾነ፣ ኣብ ሕላፍ ሰዓት ዝተረኽበ ዘበለ ክቕተል ኣለዎ ክብል ኣስሚርሉ።