ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 07 February 2019

ኣብ ዓዲ ሓሎ፣ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት፣ ነፍሲ ወከፎም 10 ሽሕ ናቕፋ መተባብዒ ተዋሂብዎም።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንት ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት፣ ብፍሉይ ዝተዋህበ ብተዛማዲ ብርክት ዝበለ መተባብዒ ገንዘብ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል፣ ንህይወት እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሓደጋ ከየእቱ ካብ ምስጋእ ዝተገብረ ሓለፋ ምዃኑ'ዮም ነዚ ሓበሬታ እዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ዘመልክቱ።

ኣብ ኤርትራ፣ ልዕሊ 5 ሽሕ ናቕፋ ጥረ ገንዘብ ከይንቀሳቐስ ዝኽልክል ኣዋጅ ወጺኡ እኳ እንተሎ፣ እዚ ንኣባላት ናይታ፣ ካብ ተወርዋሪ እዚ፣ ናይ 525 ተዋጺኣ ኣብ ሓለዋ ናይቲ፣ ኣብ ዓዲ ሓሎ ዝርከብ መንበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተዋፊራ ዘላ ኣሃዱ ዝተዋህበ ገንዘብ ግና ነዚ ዝጥሕስ'ዩ።

Radio Erena: 07 February 2019

ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዕደና ዘካይድ ዘሎ ኩበንያ ኔቭሰን ዝነበረ ክሊፍ ዴቪስ፣ ኣብ ካናዳ ክሲ ከምዝተመስረተሉ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ናይቲ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል፣ ኣብዚ እዋን'ዚ ብጡሮታ ተፋንዩ ዝርከብ ክሊፍ ዴቪስ፣ ኣመሓዳሪ ኩባንያ ኔቭሰን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ እቲ ኩባንያ ኣብ ኤርትራ፣ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ተገዲዶም ንዝመጽእዎ ኤርትራውያን እናፈለጠ ኣብ ስራሕ ብምውፋሩ'ዩ ተኸሲሱ።

ኣብ ቫንኩቨር፣ ብሪቲሽ ኮሎምብያ፣ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ኣብ ጉዳይ'ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ናይ ጉልበት ምዝመዛ ፈጺሙ ተባሂሉ ተኸሲሱ ዘሎ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ብ23 ጥሪ ተጋብኡ'ዩ።

Radio Erena: 06 February 2019

ኣብ ኤርትራ፣ ንልዕሊ ሸሞንተ ዓመታት ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ድሕሪ ዝተጀመረ ርክብ ተፈቲሑ ናብሃገሩ ዝተፋነወ ኢትዮጵያዊ ኣብራሪ ነፋሪት ውግእ ኮለነል ታደሰ ሙሉነሕ ዓሪፉ።

ኢትዮጵያዊ ፓይሎት ኮለነል ታደሰ ሙሉነህ፣ ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሓሉ ከቢድ ስንክልና ስለ ዘጋጠሞ፣ ኣብ ሃገሩን ህንድን ጽዑቕ ሕክምና ክካየደሉ ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ዓሪፉ።

እቲ ኣብራሪ ሚግ 23 ዝነበረ ኮለነል፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ካብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ተሰጕጉ፣ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ከም ናይ በረራ መምህር ኮይኑ ይሰርሕ እኳ እንተነበረ፣ ድሕሩ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝቖመን ማእከሉ ኣብ ኣስመራ ዝገበረን ዕጡቕ ግንባር ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ከም ሓላፊ ኮይኑ ተመዚዙ።

Radio Erena: 06 February 2019

ብኮሚሽነር ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ንልምዓት ነቨን ሚሚቻ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሕ'ዩ።

እቲ ልኡክ፣ ኣብ መውወዳእታ ዕለታት'ዚ ሰሙን ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝጽሕሉ፣ ምስ መራሕተን ብምርኻብ፣ ብዛዕባ ተጀሚሩ ዘሎ ርክብን ዝህሉ ለውጥን ክዝቲ ምዃኑ ኮሚሽነር ሚሚካ ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ፣ ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ኢጋድን፣ ብ22 ጥሪ  ብምርኻብ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን'ዩ ናብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሕ ወሲኑ።

ይኹን'ምበር ናብ ንጡፍ ኣባልነት እቲ ዞባዊ ውድብ ክትምለስ ጻውዒት ዝቐረበላ ኤርትራ፣ ኣብቲ ናይ ኢጋንድን ሕብረት ኤውሮጳን ርክብ ኣይተሳተፈትን።

Radio Erena: 06 February 2019

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ኣብ ዝጠሓላ ክልተ ጀላቡ ህይወቶም ዝሰኣኑ 58 ሰባት፣ ብምሉኦም ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ተረጋጊጹ።

ነዚ ዘረጋገጸ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ንሬሳ ናይቶም ግዳያት ናብ ሃገሩ ንምምላስ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ናብ የመን ዘንቀዳ፣ 130 ስደተኛታት ዝጸዓና ክልተ ጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ድሕሪ ምብጋሰን፣ ነዊሕ ከይተጓዕዛ ከምዝጠሓላ ይዝከር።

እዚ ሓደጋ ዘጋጠም ዘሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት ብምትሕብባር፣ ኣብ የመን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ዜጋታቱ ንምውጻእ ጻዕርታት ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን'ዩ።