ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 22 July, 2014

Af Im

ብ18 ሓምለ ብሓይሊ ባሕሪ ማልታን ኢጣልያን ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣብ ዝደሓነት ጃልባ ብጽቕጥቕጥ ናይ ዝሞቱ ስደተኛታት ቁጽሪ 30 በጺሑ።

እታ ኣስታት 400 ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወት ጃልባ፣ ብምትሕብባር ሓይሊ ባሕሪ ማልታን ኢጣልያን ብዝተገብረላ ህጹጽ ሓገዝ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ክትድሕን እኳ እንተኸኣለት፣ ፈላማ ኣብ ዝተኻየደ ዳህሳስ ካብ ሞተር ናይታ ጃልባ ብዝወጽእ ዝነበረ ጋዝን ሕጽረት ትንፋስን 18 ሰባት ከምዝሞቱ’ዩ ተሓቢሩ።

Radio Erena: 21 July, 2014

Al sawa

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን መበል 27 ዙርያ ተዓላሞ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተመሪቖም ምስተባህለ፣ ብድሕሪኡ ኸኣ ናበይ’ዮም? እንታይ’ዩ ክጽበዮም ዝብል ሕቶታት ርዱእ መልሲ እኳ እንተለዎ..እታ ንኽንደይ ዓመታት ክጸንሑ’ዮም እትብል ግና እታ ዝዓበየት ሻቕሎት’ያ። እዛ ሻቕሎት እዚ ነፍሲ ወከፍ ሳዋ ወሪዱ ተዓሊሙ ኣብ ሰራዊት ዘሎ ይኹን ኣብ ካልእ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከብ መንእሰይ እታ ምስ ዕድሚኡን ኣብ ሂወቱ ዘፍርዮ ዘሎ ኣበርክቶን ምስ ግዜ እናጸብጸበ ብምምዝዛን ዘልዕላ ነጥብያ።

20 ዓመት ንድሕሪት ተመሊሰ ብዛዕባ ምእዋጅ ሃገራዊ ኣገሎግሎትን ዝነበረ ኩነታትን ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕን ከሰላስሎ’የ ጀሚረ። ካብ 1994 ክሳብ ሕጂ ን20 ዓመታት 27 ዙርያታት ንሳዋ ወሪደን ኣለዋ። መልክዕን ኣሰራርሓን ሳዋ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተቐያየረ ኣብ መወዳእታ ዕላማ ሳዋ ንዝበዝሐ ኤርትራዊ እቲ ዝዓበየ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑዎ ይርከብ።

Radio Erena: 21 July, 2014

Af Im

ብዓርቢ 18 ሓምለ፣ ካብ 300 ክሳብ 400 ዝግምገሙ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ካብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሳ ናብ ኢጣልያ እተምርሕ ኣብ ዝነበረት ንእሽቶ ጃልባ፣ 18 ካብኣቶም ብሰንኪ'ቲ ካብ ሞቶር ናይታ ጃልባ ዝወጽእ ዝነበረ ጋዝን ጽቕጥቕጥን ትንፋስ ሓጺርዎም ከምዝሞቱ ነታ ጃልባ ዘድሓቡ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣፍሊጦም።

እቲ ሓደ ድማ ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጽሑ ከምዝሞተ ገሊጾም።

ክልተ ሰባት'ውን ብተመሳሳሊ ምኽንያት ተሰኒፎም ኣብ ጥቓ ሞት ስለዝነበሩ መንግስቲ ኢጣልያ ብሄሊክፕተር ናብ ሲሲልያ ከታም ፓሌርሞ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣግዒዝዎም ኣሎ።

Radio Erena: 21 July, 2014

ad Sawa

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርና ሓደ ካብ ኣውራ ጠንቅታት ዋሕዚ ዜጋታት ናብ ስደት ምዃኑ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ ግዜ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ በንጻሩ፣ ሳላ ወፍሪ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃገር ኣብ ጽቡቕ ናይ ልምዓት ጎደና ከምዘላ ምግላጹ ኣሽካዕላል'ዩ ክብሉ ሓያሎ ኤርትራውያን ነቒፎም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ሳዋ ወትሃደራዊ ታዕሊም ወሲዶም 10ታት ኣሽሓት መንእሰያት ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ሕርሻን ዝኣመሰለ ናይ ልምዓት መደባት ይዋግፈሩ ከምዘለዉ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣብታ ሃገር ብግብሪ ዝርአ ዘሎ ግና፣ ማእለያ ዘይብሉ ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት፣ ስእነት ባኒን ማይን ዝኣመሰለ መሰርታዊ ነገራት'ዩ።

Radio Erena: 21 July, 2014

Am FF

ፈደራላዊ በዓል ስልጣን ኣቭየሽን፣ ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ክሊ ኣየር ናይቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ሰሚናዊ ኢትዮጵያ ከይሓልፋ ከልኪሉ።

ፈደራላዊ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ኣቬሽን ናይ ኣመሪካ፣ ድሕሪ'ቲ ኣብ ልዕሊ መንገዲ ኣየር ማሊዥያ ኣብ ክሊ ኣየር ዩኪሬን ዘጋጠመ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ኣብ ዝዘርግሖ መጠንቐቕታ'ዩ፣ ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ክሊ ኣየር ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ከይሓልፋ ዝኽልክል ዘሎ።