ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 13 February 2019

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ህዝባዊ ተቓውሞ ንካልኣይ ወርሒ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር 14 መማህራን ዩኒቨርሲቲ ከምዝኣሰሩ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቶም መምህራን፣ ሓድሽ ማዕበል ተቓውሞ ንምውዳብ፣ ኣብ ቀጽሪ ዮኒቨርሲቲ ካርቱም ኣብ ዝተኣኻኸብሉ፣ ትማሊ ሰሉስ 12 ለካቲት'ዮም ተኣሲሮም።

ብ19 ታሕሳስ ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን፣ ብደረጃ ሃገር ዝርከባ ከም ናይ መማህራን፣ ሓካይምን ካልኦት በርጌሳውያን ማሕበራትን ይሳተፍኦ ኣለዋ።

 ናህሪ ዋጋታት መሰረታውያን መግብታትን ከም ነዳዲ ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ነገራት ዘበገሶ ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት በሺር ክእለ'ዩ ዝጽውዕ ዘሎ።

Radio Erena: 12 February 2019

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝቀላቐል ዘሎ፣ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝግህስ ተርእዮታት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ንሳቶም ኣብቲ ትማሊ 11 ለካቲት፣ ኣብ ኣጋጣሚ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ነቲ ብወገን ኢትዮጵያውያን ዝርአ ዘሎ፣ ንሉኣላውነ ኤርትራ ዝግህስ መግለጺታት ብምቅዋም፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ስቕታ ምምራጹ ነቒፎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ መድረኽ፣ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን እታ ሃገር፣ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ዘተን ክትዓትን፣ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝጻረር ርእይቶታት ይህቡ ከምዘለዉ ዝፍለጥ'ዩ።

Radio Erena: 11 February 2019

ሓያሎ ትካላት ግብጺ፣ ኣብ ክሊ ባሕሪ ኤርትራ፣ ቁጽጽር ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ የካይዳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ።

ይኹ'ምበር፣ እተን ኣብ ኢንዱስትሪ ምግፋፍ ዓሳ ዝተዋፈራ ትካላት ግብጺ፣ ኣብ ክሊ ባሕሪ ኤርትር ዘካይድኦ ዘለዋ ምግፋፍ ዓሳ፣ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ሓበሬታ ከምዘይተዋህቦ ኣባላት እቲ ሚኒስትሪ የረጋግጹ።

እተን ዘመናዊ መግፈፊ ዓሳ ዝተገጥመን ጀላቡ፣ ንዝተወሰነ መዓልታት ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክጸንሓ ኣብ ዝፍቀደለን እዋናት፣ ገደብን ምቁጽጻርን ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ የካይዳ ከምዘላ'ውን ኣረጋጊጾም።

Radio Erena: 11 February 2019

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዦን ኣሰልቦርን ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሉክዘንበርግ፣ ካብ 11 ክሳብ 14 ለካቲት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክበጽሕ'ዩ።

ዑደቱ ብኣዲስ ኣበባ ዝጅምር ልኡኽ ሉክዘንበርግ፣ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነይ ገበየሁን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ ኣብ ልምዓታዊ ሓገዝን ምግታእ ዋሕዚ ስደተኛታትን ብዝምልከት ክመያየጥ'ዩ።

ምስ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ብምርኻብ፣ ኣብ ጉዳይ ምግታእ ስደተኛታት በቲ ሕብረት ንዘሎ መደባት ክመያየጥሉ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

Radio Erena: 11 February 2019

ሓላፊ ክፍሊ ሕሳብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነበር ኣቶ ብርሃነ የማነ፣ ምስቲ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ፈጺምዎ ዝብሃል ምጥፍፋእ ገንዘብ ብዝተሓሓዝ ተኣሲሩ።

ኣቶ ብርሃነ፣ ናይቲ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ሒሳብ ከጻሪ ናብ ቴልኣቪቭ ከይዱ እኳ እንተነበረ፣ ምጥፍፋእ ተፈጺሙ ክነሱ ብዝግባእ ከይሓበረ ብምሕላፉ ከምዝተኣስረ'ዩ እቲ ዝበጽሓና ዜና ዘመልክት።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ (ወዲ ባሻይ) ካብቶም ኣብ እስራኤል ካብ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተኣከባ ገንዘብ ብምጥፍፋእ ብቐዳምነት ካብ ዝተኣስሩ ኣባላት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት'ዩ።