ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 14 February 2019

ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ፣ ብምኽንያት ጽምብል መበል ሻውዓት ምልኻል ሃገር፣ ምስ ህዝቢ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፣ "መን ይፈልጥ ንመጻኢ ኣፍደገ ባሕሪ ይህልወና ይኸውን ክብል ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ኣቶ ለማ መገርሳ፣ "ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ክነሳ፣ ስለምንታይ ሓይሊ ባሕሪ የድልያ ኣሎ?” ንዝብል ካብ ህዝቢ ዝቐረበሉ ሕቶ፣ ኣብ ዝሃቦ መልሲ'ዩ ነዚ ገሊጹ።

ንሱ፣ ሓይሊ ባሕሪ ንምውናን ናይ ግድን ኣፍደገ ባሕሪ ኣየድልን። ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን፣ ሓይሊ ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ኣለዋ ድሕሪ ምባል፣ ኣፍደገ ባሕሪ እንተዝህልወና ጽቡቕ'ዩ። ምናልባት'ውን መን ይፈልጥ ንመጻኢ ይህልወና ይኸውን ክብል'ዩ መሊሱ።

Radio Erena: 14 February 2019

ኤርትራ፣ ኣብቲ ካብ 15 ክሳብ 25 ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ለ'ኣቨኒኽ ክትሳተፍ ፣ ናይ ክብሪ ዕድመ ከምዝቐረበላ ጋዜጣ ለ'ኢኵፕ ኣፍሊጣ።

ኤርትራ፣ ኣብዚ ምስ ዙር ፈረንሳ ተመሳሳልነት ዘለዎ ቅድድም ክትሳተፍ፣ ናይ ክብሪ ዕድመ ዝቐረበላ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካሜሮን ኣብ ዝተኻየደ፣ ዙር ለ'ኤስፕዋኽ ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም፣ ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት ቅድድም ብኽሽክለታ ኤርትራ፣ ተዓዋቲት ብምዃና'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ተዓዋቲት ናይቲ ኣብ ጋቦን ዝተኻየደ ዙር ኣሚሳ ቦንጎን፣ ኣብ ካሜሮን ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ትሕቲ 23 ዓመት ዙር ለ'ኤስፕዋኽን ዝኾነት ርዋንዳ፣ ኣብዚ ናይ ፈረንሳ ዙር ለ'ኣቨኒኽ ናይ ክብሪ ዕድምቲ ኮይና ምውድዳራ ኣይርሳዕን።

Radio Erena: 13 February 2019

ብኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ዝምራሕ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ምምራቕ ናይቲ ብሰንበት 10 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቖመ ሓወልቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ተሳቲፉ።

ሓወልቲ ናይቲ ህብዝን ዓድታትን ኤርትራ ዘጽነተ፣ መላኺ ንጉስ ሃይለስላሴ ኣብ ቀጽሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወግዒ ኣብ ዝቖመሉ፣ ንኤርትራ ብምውካል፣ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ፣ ሃብቶም ዘርኣይ ከምኡ ድማ ቢንያም በርሀ ዝተባህሉ ቀዳሞት ጸሓፍትን ከምዝተሳተፉ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

Radio Erena: 13 February 2019

ምስቲ ብ31 ጥቅምቲ ኣብ ኣኽርያ ዝተኻየደ ተቓውሞን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ምእሳር ወለዲን ተማህሮን ብዝተሓሓዝ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሓጂ መሓመድ ኣብራር ተፈቲሖም።

ኣብ ክሊ ዕድመ 70ታት ዝርከቡ ሓጂ መሓመድ ኣብራር፣ ድሕሪ ኣብ ኣኽርያ ዝተኻየደ ተቓውሞን፣ ሓያሎ ወለዲ፣ መማህራንን ተማሃሮን ድሕሪ ምእሳሮም፣ ኣብ መስጊድ ኣል ኹላፋ ኣልራሺዲን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ ስርዓት ህግደፍ ንዝወሰዶ ቆልዑን ኣዴታትን ናይ ምእሳር ስጉምቲ ብትሪ ዝነቐፉ ኣቦ'ዮም።

Radio Erena: 13 February 2019

ኣብዚ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ጥራይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ደቡብን ሰለስተ መሳጊድን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስትያንን ከምዝተቓጸላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጠን።

ምስ እምነት ተተሓሒዙ ዝጎሃሃር ዘሎ ግጭታት፣ ነታ ብናይ ብሄር ግጭታት እትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ናብ ዝበኣሰ ውድቀት ከየምርሓ ተሰጊኡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ ኣብ ጎንደር ብዝተወልዐ ናይ ብሄር ግጭት፣ 10ታት ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ተፈናቒሎም ኣለዉ።