ዜና ኤርትራ

Radio Erena: 25 March 2019

ኤርትራ፣ ምስ ኤችኣይቪ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ሰባት፣ ብሰንኪ ዓባይ ሰዓል ዝስዕብ ዝነበረ ሞት ብ83% ከምዝጎደለ ሕቡራት ሃገራ ኣፍሊጡ።

ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ኤችኣይቪ ኤይድስ፣ ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ዓባይ ሰዓል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ መጠነ ሞት ብ75% ከጉድላ ብዝቐረበ እማመ፣ ነቲ መደብ ቅድሚ ግዜኡ ናብ ዓወት ዘብጽሖ ሃገራት ቀዳመይቲ ህንዲ ብ84% ክትከውን እንከላ፣ ኤርትራ ድማ ብ83% ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሰሪዑዋ ኣሎ።

ሓንቲ ካብተን ዝበዝሑ ምስ ኤቭኣይቪ ኤይድስ ዝነበሩ ሰባት ዝርከበላ ማላዊ'ውን ነዚ ኣብ 2016 ዝቐረበ እመማ ምጉዳል መጠነ ሞት ብሰንኪ ዓባይ ሰዓል ብ78% ኣብ ሸትኡ ኣብጺሓቶ ኣላ።

Radio Erena: 25 March 2019

ብርጋዴር ጀነራል ክንዱ ገዙ ተናኝ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ መደባርት ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ዑደት ከምዘካየደ ተገሊጹ።

ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ባሕሪያ ፈረንሳ ሸርቡርግ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ንምዕባለ ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ ብምዕዛብ፣ ብዛዕባ'ቲ ኢትዮጵያ ክትሃንጾ መዲባ ዘላ ሓይሊ ባሕሪን ዘድልዮ ናውትን ብዝምልከት ተመያይጦም።

መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ሸርቡግ፣ ሓደ ካብቲ ሰለስተ ዓበይቲ መደባራት ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳ'ዩ።

ፈረንሳ፣ ብዘይካ'ቲ ኣብቲ ኤውሮጳ ዝርከብ ክሊ ማያ፣ ኣብ ዝተፈላለ ክፍሊ ዓለም ኣብ ዝርከባ 10ታት ደሴታታ'ውን መዓስከራት ሓይሊ ባሕሪ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

Radio Erena: 21 March 2019

ንኤርትራ ዝገለለ፣ ዋዕላ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘዋስነን ሃገራት ኣብ ካይሮ ተኻይዱ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ፣ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ የመን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሶማል፣ ግብጺን ዮርዳኖስን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፣ ኣብ ጸጥታ ክሊ ማይቲ ከባቢ ክህሉ ብዛዕባ ዝግብኦ ምትሕግጋዝ ዘትዩ።

Radio Erena: 24 March 2019

ብዝተፈላለዩ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ናይ ህዝቢ ኣኼባታት ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

በዚ መሰረት ትማሊ 23 መጋቢት ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ካብ ህዝቢ ዝተፈላለዩ በዳህቲ ሕቶታት እኳ እንተቐረቡ፣ ከም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተኻየደ ኣኼባታት ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ብቑዕ መልስታት ኣይተዋህበን።

መንግስቲ ስለምንታይ ዓመታዊ ባጀት ዘይስልዕ፣ ሚኒስትሪታት ብሕጽረት ገንዘብ ይሳቐያ’ለዋ ንዝብልን ካልእን ሕቶታት ከምዝቐረቡ ብኣብነት ዝጠቐሱ ምንጭታትና፣ መንግስቲ ገንዘብ ስለዘይብሉ፣ ዓመታዊ ባጀት ክስልዕ ኣይክእልን’ዩ ዝብል ምላሽ ካብቲ ነቲ ኣኼባ ዘካይድ ዝነበረ በዓልስልጣን ከምዝተዋህበ ኣመልኪቶም።

Radio Erena: 20 March 2019

ኣብ ቀጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ መንጎ ቀጠርን ኤርትራን ንዘሎ ዘይምቅዳን ንምፍታሕ እማመ ከምዘቕረበ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ገሊጾም።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣብ ናይ ቀጠር ዑደቱ፣ ምስ ኣሚር እታ ሃገር ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ብምርዃብ ኣብ ጉዳያት ግንዲን ወፍሪን ቀጠር ኣብ ኢትዮጵያ ብምትኳር ከምዝዘተየ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ድማ ምስ ኤርትራን ጅቡቲን ንዘለዋ ዘይምቅዳው፣ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ንምፍታሕ ሓሳብ ከምዘቕረበ ኣገንዚቦም።