ኣህጉራዊ ዜና

kirrፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ስምምዕ ሰላም’ታ ሃገር ካብ ምፍራም ብተደጋጋሚ ክስሕብ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝገበረሉ ጸቕጢ ነቲ ስምምዕ ሰላም ክፍርመሉ ከምዝተገደደ፣ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እቲ ስምምዕ ሰላም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ክፍረም’ኳ እንተነበሮ፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ብኣስገዳድ እምበር ብዘተ ዝተነድፈ እማመ ሰላም ኣይኮነን ብምባል ሓንጊዱ ከምዝጸንሐ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ’ዩ።

እንተኾነ መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ዩጋንዳን ፕረዚደንት ኪር ኣብ ዝፈረመሉ እዋን ተረኺቦም ምንባሮም ይግለጽ።

taizቅልውላው የመን ብምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታትን፣ ዕጡቓት የመናውያንን ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ናይ ዝወርድ ዘሎ መቕዘፍቲ ቁጽሪ እንዳዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ፣ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣብ ከተማ ጣይዝ ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ከቢድ ብረትን፣ መጥቃዕቲ ኣየርን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ 350 ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ወሪዱዎም ከምዘሎ፣ ሓካይም ብዘይዶብ ገሊጹ።

    እቲ በርጌሳዊ ማሕበር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ሆስፒታላት ኩለን ስለዝተዓጽዋ፣ ህጹጽ ረዲኤት እትህብ ሓንቲ ሆስፒታል ጥራይ ተሪፋ ከምዘላ ሓቢሩ። እዚ ከኣ ዋሕዲ መድሃኒትን ካልእ ሕክምናዊ ቀረብን ስለዘኸተለ፣ ኣብታ ከተማ ሰብኣዊ ቅልውላው ወሪዱ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ተቓወምቲ ሓይልታት ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ከተማ ዓደን ንዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ንሳልሳይ ግዜ ከምዝደብደብዎ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።
    ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ደብዳብ ሚሳይል፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ብቀዳም ዝተደምሰሰ 2 ኣጋንእ ነዳዲ፣ ሕጂ’ውን ሳልሳይ ገንኢ ከምዝተቓጸለ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ማከናት ዜና ዓለም ኣቃሊሐን።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ኣይ.ኤም.ኤፍ. ዋጋ ነዳዲ ብደረጃ ዓለም ብምንቁልቋሉ፣ ቁጠባ ሱዳን ብከቢድ ክጽሎ ምዃኑ ሓቢሩ።
    ደቡብ ሱዳን 75 ሚእታዊት ዕቑር ሃብቲ ነዳዲ ሒዛ ናጽነታ ድሕሪ ምእዋጃ፣ ኣብ ሱዳን ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ እዋን’ዚ ቁሩብ ምምሕያሽ’ኳ እንተርኣየ፣ በዚ ምንቁልቋል ዋጋ ነዳዲ ሱዳን ቁጠባኣ ዳግማይ ናብ ቁልቁል ክሽመም’ዩ ክብል ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ኣጠንቂቑ።

Radio Erena: 20 March 2015

Cont1

     ሰሉስ 16 ታሕሳስ 2014 ወጋሕታ፣ ኮንተይነር ዝጸረት በጣሕ ብትራፊክን ድሙቕ መብራህትን ተዓጂባ ብሓደ ካብቲ ናብ ግኑን ስም ዘለዎ ኣውራ ጎደና ፓሪስ፣ ሻን -ዘ-ሊዘ (Champs-Élysées) ዘራኽብ ንእሱ ጎደና ተዓጺፋ ኣብ እግሪ ግንቢ ኣይፍል ደው በለት። ዓበይቲ ጽዕነት እተራግፍ መኪና'ውን እግሪ-እግራ ሰዓበት። ካበየ ኩርንዓት ዓለም ዝመጹ ፍቑራት ኣብ እግሪ'ዚ ብስም መሃንድሱ ጉስታፍ ኤፍል ዝጽዋዕ ፈረንሳውያን 'ቱራፌል' ዝብልዎ ኣይፍል ታወር ቃል ኪዳን ክእስሩ፣ መብጽዓታት ክትኣታተዉ፣ ኣፍን ንኣፍ ተወሃሂቦም ክሰዓዓሙ ንቡር ተርእዮ ስለዝኾነ ሓድሽ ክስተት ኮይንዎ ቁልሕ ዝብል'ውን ኣይርከብን።